ዜና ዉዕዉዕ ኣኼባ ሃገራዊት ኮምሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
ሃገራዊት ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፣ ኣብ ከተማ ሳንድየጎ ካብታ ከተማን ከባቢኣን ምስዝመጹ ህዝቢ ውዕውዕ ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ ብ 2 ጥቅምቲ 2010 ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኣባላት ዝተፈላለዩ ውድባት፣ ፖለቲካዊ ጸግዒ ዘይብሎም ውልቀሰባትን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘሳተፈ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ብዓይነቱ ዝተፈለየ ኣብርእሲ ምንባሩ፡ ክቱር ድሌትን ናይ ምርድዳእ መንፈስ ዝዓሰሎ ልዙብ ሃዋሁውን ነይሩ። ኣብቲ ዝነበረ ዉዕዉዕ ኣኼባ ኣቶ ሃይለማሪያም ተስፋይ፡ ዕላማን መደብ ስራሕን ሃገራዊት ኮምሽን ንህዝቢ መብርሂ ድሕሪ ምሃቡ፡ ቀጺሉ ብተስፋልደት በላይ ኣብ ኣሰና.ኮም “ህጹጽ መጸዋዕታን ላበዋን ንሃገራዊት ኮምሽንን ፖለቲካውያን ውድባትን ማሕበራትን ውድባትን” ብዝብል መስከረም 28, 2010 ወጺኡ ዝነበረ ብኣካልን ብቴለ ኮንፈረንስን ዝተዘተየሉ ናይ ለበዋ ጽሑፍ እንደገና ንህዝቢ ቀሪቡ ተነቢቡ። ኣቶ ሃይለማርያም ነቲ ሕቶታት ብምብራህ፡ ኮሚሽን ብህዝቢ ተዋሂብዎ ዘሎ ሓደራ (mandate) ዘፍቅዶ ስጉምታት ኩሉ ከም ዝገበረን ብሕጂ’ውን ክገብር ምዃኑን፡ ህዝብን መራኸቢ ብዙሓንን ከኣ ሓቂ ንምፍላጥን ነዚ ህዝባዊ ዕላማ’ዚ ኣብ ሸትኡ ንምብጻሕን ብኣትኵሮ ክሰርሑን ክከታተሉን ተላብዩ። ህዝቢ ከኣ ብወገኑ ተላዚቡን ተመያይጡን ብምሉእ ደገፍ ኣብ ጎድኒ ሃገራዊት ኮምሽን ተሰሊፉ ብሓባር ከምዝሰርሕ መልእኽቱ ብምምሕልላፍ ሓንቲ ናይ ህዝቢ ሽማግለ መሪጹ።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ኣብ መንጎ መሪሕነታት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኣባል’ቲ ኪዳን ዝኾነት ሰልፊ ህዝብን ዲሞክራስን ኤርትራን ዝግበር ምርድዳእ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንሃገራዊት ኮምሽን ኣፍሊጦም፡ ሰልፊ ህዝቢ ናብቲ ክብጻሕ ተደልዩ ዘሎ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣባላቶም ከዳልዉን ምስ ሃገራዊት ኮምሽን ክሰርሑን ተሪር መጸዋዕታ ኣማሓላሊፉ።
ተሳተፍቲ ካብኡ ብምቕጻል፡ ዝኾነ ይኹን ኣብ ሞንጎ ፖለቲካውያን ሓይልታት ወይ ውድባት ክህሉ ዝኽእል ዘይምርድዳእ፡ ካብ ጉዳይ ህዝቢ ንላዕሊ ክረአ ስለዘይክእል፡ ፖለቲካውያን ውድባት ኩሉ ፍልልያተን ኣወንዚፈን ብሓባር ሰሚረን ዕቱብ ስራሕ ክሰርሓ ተማሕጺኑ። ብኻልእ ወገን ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ’ቲ ንሃገራዊ ጉባኤ ዝግበር ጎስጓስ ተሳታፍነት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ምሁራትን ክዓዝዝ ከምዘለዎ ተላብዮም።
ሽማግለ “ህዝቢ ንጉባኤ” ከተማ ሳንዲያጎን ከባቢኣን !
2 ጥቅምቲ 2010
Short URL: https://english.farajat.net/?p=1628