Poetry

ነብስኻ ሓኸኽ ህዝበይ

ሓወየ ተኲሾም ሰጢሖምኻ ኣብ ጽርግያ

ስእሊ ሬሳኻ ኩሉ ሰብ ብእንተርኔጥ ዝራኣያ

ምረት መግለጺ ሓዘና ብዙሕ ከተቃልዕ ቀንያ

ኩለን ወነንቲ ሓቤሬታ እንተርነጥ ሰብ ሞያ

ብህግደፍ ዝተረሸነ መንእሰይ ስእሉ ዘ ላለያ

ጻማኽን ንህዝብኽን ከሲብክን ዘይቡሉ ማእለያ

 

    ወትሩ   ወግሔ ጸብሔ ምርሻን ካብ በዝሔ  

ትሕቲ ዕድመ ዓቅሚ ኣዳም ዘይ በጽሔ

  ሪኢኹሞዶ ተረሽኑ ኣብ ጽርግያ ተሰጥሔ

 ዕንክሊል ብጭርሖ ሰላማዊ ሰልፌ ተበዝሔ

 መፍትሒ ኣይኮነን ክጥፍኣና ዓጢቁ ዝጎርሔ

 

  ዓፊንካ ረሽን ኣብ ግዜ ደርጊ ሓሊፉሞ

ዝገደደ ናይ ህግደፍ ይኸፍእ ተዓጻጺፈሞ   

ረሽኖም ኣብ ጽርግያ ከይ ቀበሩ ሰጢሖሞ

ንህግደፍ ዝፈልጦም ክንደየናይ ከይ ገርሞ

ኣብ ስሕል ዝገበሮ ኣብ ማይ ሓባር ደገሞ

ማይ ሓባር ዝገበሮ ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ደገሞ

ዓዲ ኣበይቶ ዝገበሮ ኣብ ኣስመራ ደገሞ

 

    ኣንቱም እሙናት ናይ ህገደፍ ምሓውር

ካን እናራኹም ሬሳ ዓይንኹም ክዓውር

ክጥዕመሉ ምርሻን ንተቓወምቲ ዘነውር

ስርዓቱ ከይ ይሞሖ ዝኾንኩሞ ሰራውር

ኩርማጅ ውጹዓት ታራ ኣለዎ ክትዝስውር

ተጸበዩ ሑዙን ምስ ተላዕለ ዘንጉ ክውርውር

 

  ኣንታ ወይለኻ ምስ ህግደፍ ተሻሩ ወሽላኽ ወቃሪ

 ሪሳ እና ረኤኻ ተሰጢሑ ኣብ ኣስመራ ብቐትሪ

ንዕቀት ናይ ህዝቢ ኣብ ኣስመራ ነጊሱ ከታሪ

  ዓገብ ንምክልኻል ነብሰ ገዳይ ዘይ ኮነ ከተውሪ

ነብሰ ገዳይ ኢሳያስ ቀሪቡ ክሃድም ብቐይሕ ባሕሪ

ባርያ ናይ ውልቀ መላኺ እንታይ ኢሉ ኸውሪ

ከይ ሓፈሩ ከም ነፋሒቶ ድዮም ክቕዩሩ ሕብሪ

 

ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top