ነብስኻ ሓኸኽ ህዝበይ

ሓወየ ተኲሾም ሰጢሖምኻ ኣብ ጽርግያ

ስእሊ ሬሳኻ ኩሉ ሰብ ብእንተርኔጥ ዝራኣያ

ምረት መግለጺ ሓዘና ብዙሕ ከተቃልዕ ቀንያ

ኩለን ወነንቲ ሓቤሬታ እንተርነጥ ሰብ ሞያ

ብህግደፍ ዝተረሸነ መንእሰይ ስእሉ ዘ ላለያ

ጻማኽን ንህዝብኽን ከሲብክን ዘይቡሉ ማእለያ

 

    ወትሩ   ወግሔ ጸብሔ ምርሻን ካብ በዝሔ  

ትሕቲ ዕድመ ዓቅሚ ኣዳም ዘይ በጽሔ

  ሪኢኹሞዶ ተረሽኑ ኣብ ጽርግያ ተሰጥሔ

 ዕንክሊል ብጭርሖ ሰላማዊ ሰልፌ ተበዝሔ

 መፍትሒ ኣይኮነን ክጥፍኣና ዓጢቁ ዝጎርሔ

 

  ዓፊንካ ረሽን ኣብ ግዜ ደርጊ ሓሊፉሞ

ዝገደደ ናይ ህግደፍ ይኸፍእ ተዓጻጺፈሞ   

ረሽኖም ኣብ ጽርግያ ከይ ቀበሩ ሰጢሖሞ

ንህግደፍ ዝፈልጦም ክንደየናይ ከይ ገርሞ

ኣብ ስሕል ዝገበሮ ኣብ ማይ ሓባር ደገሞ

ማይ ሓባር ዝገበሮ ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ደገሞ

ዓዲ ኣበይቶ ዝገበሮ ኣብ ኣስመራ ደገሞ

 

    ኣንቱም እሙናት ናይ ህገደፍ ምሓውር

ካን እናራኹም ሬሳ ዓይንኹም ክዓውር

ክጥዕመሉ ምርሻን ንተቓወምቲ ዘነውር

ስርዓቱ ከይ ይሞሖ ዝኾንኩሞ ሰራውር

ኩርማጅ ውጹዓት ታራ ኣለዎ ክትዝስውር

ተጸበዩ ሑዙን ምስ ተላዕለ ዘንጉ ክውርውር

 

  ኣንታ ወይለኻ ምስ ህግደፍ ተሻሩ ወሽላኽ ወቃሪ

 ሪሳ እና ረኤኻ ተሰጢሑ ኣብ ኣስመራ ብቐትሪ

ንዕቀት ናይ ህዝቢ ኣብ ኣስመራ ነጊሱ ከታሪ

  ዓገብ ንምክልኻል ነብሰ ገዳይ ዘይ ኮነ ከተውሪ

ነብሰ ገዳይ ኢሳያስ ቀሪቡ ክሃድም ብቐይሕ ባሕሪ

ባርያ ናይ ውልቀ መላኺ እንታይ ኢሉ ኸውሪ

ከይ ሓፈሩ ከም ነፋሒቶ ድዮም ክቕዩሩ ሕብሪ

 

ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2148

Posted by on Sep 17 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net