ሰልፊ ባይቶ ኤርትራ መርሓባ !!!

ሓምለ 30-2005 ዓ.ም.

ብ ረ.ክ. (ባሻይ)

ሰልፊ ባይቶ ኤርትራ መርሓባ

ካብ ውሽጢ ዝወጸት ልበ-ልባ

ፍረ ዲሞክራሲ እንካ ሃባ

     መገሻኺ ቀሊል ኣይነበረን

     በቲ ዕርፊ በቲ ድማ መምረን

     ነዊት ኢኺ ብድርብ ዝቝረን

ኣብ ዶብ ናይ ኤርትራ ባይቶ ጌርኪ

ጽባሕ ድማ ዓወት ስግር ኢልኪ

ከምታ መብጽዓኺ ኪዳን ሒዝኪ

     ተቓሊስኪ ሓቅታት ንምውጻእ

     ዘይፈለጠ ቀስ ኢሉ ክርዳእ

     ቀስቲ ስምረት ክንደይ ከምዝዋጋእ

ብጥራዩ ኣይኮነን ሎሚ ተወሊድኪ

ክንደይ ጀጋኑ ንቕድሚት ኣሕሊፍኪ

ሰልፊ ባይቶ ፍረ ስዉኣትኪ

     ብሃንደበት ዘይኮነስ በተሪር ዕላማ

     ብመሪር ቃልሲ ዝተኣስረ ጋማ

     ሰልፊ ባይቶ ናይ ዓወት ዋዜማ

ቍሩቍስ ሓሳባት ብውሽጢ ብግዳም

ኩሉ ገሪሙዎ ዘስተብሃለ ኣዳም

ገለ እምብለይ ገለ ድማ ዳም-ዳም

     ካብ ንስሓ ትብገስ መብጽዓ

ኣብ ህዝቢ ትምርኰስ እንግድዓ

ሰልፊ ባይቶ ዘይትጠፍእ ሽምዓ

እዚ ፈልሲ ኢዩ ባይቶ ዝተባህለ

ኪዳን ኣሎ ካብኡ ዝሓየለ

ሕራይ ዘብል ን’ምብለይ ዝበለ

     ስም ጥራይ ኣይኮነን ኪዳን ማለት

     ሓደሞ በለለይ ሎሚ ዕለት

     ኣሎ ገመድ ዘይብተኽ ሰንሰለት

ተሰጊሩ እቲ ንእሽቶይ ስምና

እዚኣ ትኣኽለኩም ተባሂልና

ተጸሚምና ሳጓ ተሰኪምና

     ሓያል ሓሳባትና እንሆ ትርጒሙ

     ሰበ ስልጣን መታን ክእረሙ

     ብቕልጽሞም ሽመት ዝስከሙ

ብስምረት ከም ዝዕበ ቀደም ኣቐሚጥና

ሓደ ኢልና ንቕድሚት ስጒምቲ ጀሚርና

ኣማስዩኡሰ ግዲ ኣብ ባይቶ በጺሕና

     ሕጂ ድማ ንኺድ ናብቲ ዝተረፈ

     ከማና ዝመስል ልቡ ዘይዓረፈ

     ንወሰን ተደርብዩ ዝተገፈ

ኣብ ምኣዲ ስምረት ንእቶ’ሞ ንዘቲ

ክንመሃር ኢና ነባሪ ትምህርቲ

መን’ዩ ንህቢ መን’ዩኸ ዓለቕቲ

      ሰልፊ ባይቶ ኤርትራ መሳርሒ ስምረት

     ቀዳማይ ዕላምኡ ኪዳናዊ ዕብየት

     ዕዳጋ ወሪዱ ዘይልወጥ ዘይሽመት

     ጸረ ክድዓት ህግደፋዊ ጥልመት!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2166

Posted by on Aug 2 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net