ሃገር ተእዊ ኣላ ርድኡ

ዋይ ኣነ ኤርትራ

     ክንደይ ጀጋኑ ዓጽሞም ዝተኸስከሰ

   እዚ ቐይሕ ደም ኣብ ዝባነይ ዝፈሰሰ

      ሎሚዶ ብህግደፍ ህዝበይ ምተደቑሰ

    ደቀይ ተለሞኑ ኩሉኹም ስምዑኒ

   ካብ ምሕደራ ጭኮና ሓራ ኣውጹኡኒ

     ክጾሮ ኣይካልኩን ንሎሚ ክኑኒ

     ካብ ሙሉእ ዓለም ንበይነይ

          ቅዋም ሃገር ሕጊ ጨኒቑኒ

ግደፉ

ስኣን  ነዚ ካብ ኮረሻ በለጽ ምልጋሱ

                   ኣሻሓት መንእሰይ ኤርትራ ኣብሪሱ

                   ናይ ሙሉእ  ሃገር  መሰል   ጊሂሱ

                 ሕጂ ውን ኣይፋል ኩምን ኑዑ ተጣዓሱ

                   መናውሒ ስልጣኑ ክብል ተንኮል ፊሒሱ

ደም ኤርትራውያን ከም ውሕጅ ኣፈሲሱ

                 ብሓቂ ድዩ ቀሲኑ ክነብር ደቂሱ

        ግደፉ

ኣንቱም ስዓብቲ ደመኛ ኢሳያስ ኣፈውርቂ

ክብርት ሚዛንኩም ዘይ ትሕሉዉ ብሓቂ

ናይ ኢሳያስ ተኻፈልቲ ገበናት ሰብ ፍርቂ

   ኣጣቑዑ ጥራሕ እና ሰለምኩም ወርቂ

   እከይ መርገጽኩም ንህዝብና መሕቀቂ

  ኢሳያስ ሲ ካድም ኢዩ ወይለኻ ለቕላቂ

                ኣጀኹም ክሉኹም ውድባት

                         ድቂ ታ ዓባይ ገረብና

                            ደቂ ዓዋተ

                ጀጋኑ ተባዓት ሃበርም ቅኑዓት ተቓወምቲ

         ብቓልዕ ትቃወሙ ራህዋ ኣላ ሓንቲ ምዓልቲ

         ናይ ዓወት ኣሳልጦ ዝሓይሽ ንምከር ንዘቲ

         ቅዋም ሕጊ ዘለዎ ክንምስርት ህዝባዊ መንግስቲ

         ንህልቀት ሃገር ተሓባበረ ዝተዓደለ ገዛውቲ

         ናብ ዋናታቱ ክምለስ ምስናይ መቕጻዕቲ

ገብሪሂይወት (ኣቡዓሰራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2178

Posted by on Oct 30 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net