Poetry

ሃገር ተእዊ ኣላ ርድኡ

ዋይ ኣነ ኤርትራ

     ክንደይ ጀጋኑ ዓጽሞም ዝተኸስከሰ

   እዚ ቐይሕ ደም ኣብ ዝባነይ ዝፈሰሰ

      ሎሚዶ ብህግደፍ ህዝበይ ምተደቑሰ

    ደቀይ ተለሞኑ ኩሉኹም ስምዑኒ

   ካብ ምሕደራ ጭኮና ሓራ ኣውጹኡኒ

     ክጾሮ ኣይካልኩን ንሎሚ ክኑኒ

     ካብ ሙሉእ ዓለም ንበይነይ

          ቅዋም ሃገር ሕጊ ጨኒቑኒ

ግደፉ

ስኣን  ነዚ ካብ ኮረሻ በለጽ ምልጋሱ

                   ኣሻሓት መንእሰይ ኤርትራ ኣብሪሱ

                   ናይ ሙሉእ  ሃገር  መሰል   ጊሂሱ

                 ሕጂ ውን ኣይፋል ኩምን ኑዑ ተጣዓሱ

                   መናውሒ ስልጣኑ ክብል ተንኮል ፊሒሱ

ደም ኤርትራውያን ከም ውሕጅ ኣፈሲሱ

                 ብሓቂ ድዩ ቀሲኑ ክነብር ደቂሱ

        ግደፉ

ኣንቱም ስዓብቲ ደመኛ ኢሳያስ ኣፈውርቂ

ክብርት ሚዛንኩም ዘይ ትሕሉዉ ብሓቂ

ናይ ኢሳያስ ተኻፈልቲ ገበናት ሰብ ፍርቂ

   ኣጣቑዑ ጥራሕ እና ሰለምኩም ወርቂ

   እከይ መርገጽኩም ንህዝብና መሕቀቂ

  ኢሳያስ ሲ ካድም ኢዩ ወይለኻ ለቕላቂ

                ኣጀኹም ክሉኹም ውድባት

                         ድቂ ታ ዓባይ ገረብና

                            ደቂ ዓዋተ

                ጀጋኑ ተባዓት ሃበርም ቅኑዓት ተቓወምቲ

         ብቓልዕ ትቃወሙ ራህዋ ኣላ ሓንቲ ምዓልቲ

         ናይ ዓወት ኣሳልጦ ዝሓይሽ ንምከር ንዘቲ

         ቅዋም ሕጊ ዘለዎ ክንምስርት ህዝባዊ መንግስቲ

         ንህልቀት ሃገር ተሓባበረ ዝተዓደለ ገዛውቲ

         ናብ ዋናታቱ ክምለስ ምስናይ መቕጻዕቲ

ገብሪሂይወት (ኣቡዓሰራ)

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top