ወዮ ኣውቶቡስኩም ራን-ራን ኢላ ትኬት ዘቝረጸ ሰብ ክስቀላ

ሕዳር 19-2005

ብ ረ.ከ.(ባሻይ)

ሓዲኦም ጎብየ ሓዲኦም አረነ

ርእሶም ኣቐልቂሎም ደጊም ከም ዝኾነ

መርዓ ተቛጺሮም ስሉጥ ንለንቅነ

     እኽለማይ ተዳልዩ በርበረ ቀመሙ

     ወሓላሉ ውራይ ቅመሱ ጥዓሙ

     ዋላ ጭሉቝ ይኹን በሉ ተሓረሙ

ኣውሎ ተጀሚሩ ጥራይ ተቐበሉ

ናይ ቀደም ሰብኣይኩም ንሱ’ዩ ኣመሉ

ኣነ ክኸርር’የ ንስኹም ቀጽሉ

     ምፍታሕ ንቡር’ዩ ዕርቂ መድሃኒቱ

     መርዓት እንተጸኒሓ ሰብኣይ ተዘይመይቱ

     ማዕጾ እንታይ ኣለዎ መርሖ ተኸፊቱ

ተሓነና በላ መርዑ መላዝብቲ

ፍሽኽ ወስኻሉ መንክን’ያ ጽብቕቲ

መርዓዊ መጺኡ ክምንጥል’ዩ ሓንቲ

     ሎምሰ’ኳ መልክዕ ክንደይ ከይጥምቶ

     ሓዳረይ ፈተኹ’ዩ እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ

     ስሕታን ምዓልቲ ኢዩ ኣይደግምንየ ከቶ

ኣብ ግዳም ክንምርዖ ብዙሕ ፈታቲንና

ዝጠመተ ኩሉ ኣሪግክን ኢሉና

ምስላጥ እንድዩ ኣብዩ መዘና ስኢንና

     ኣቦ ’ዞም ደቅና ትሓይሽ ንስኻ

     ሰብኣይ ናይ ቀደምና ሰብኣይ ናይ በረኻ

     ተስፋ የብሉን ኩሉ ወዲቕና ናባኻ

መታን ሰብ ከይዕዘብ ሽማግለ ጌርካ

ክንደይከ ትበልሕ ከምታ ናይ ቀደምካ

ዳሕራይ ባዕሉ ይፈልጥ ሕጂ እነቋዕ ለበምካ

     ክሳዕ ዝውህለለልና እቲ ዝደናገር

     ክሳዕ ዝታለለልና እቲ ዝበራበር

     ነዛ ቍሩብ እዋን ዓቕሊ ድኣ ግበር

እምበር እንታይ ግድኻ ውዱእ’ዩ ነገሩ

ወዮ ምህልላና ነዊሕ እንድዩ ጌሩ

ዝተጋደለ ይዕወት ጸሎትና ሰሚሩ

     ምዓልቲ የጸብቕ ድሓን ይሃበና

     ደርፊ ናባኻ’ዩ ሳዕስዒት ባዕልና

     ኰቦሮ ጐረቤት ኣይንስእን’ኒና

እንሆልኩም በሉ ወዮ ለኻኺማ

ከማርጽ ጀሚሩ ካብ ዕትሮ ካብ ሳርማ

ነጊረ’የ ኣነስ ብኣምሆይ ፈለማ

     ኣጀኹም መንእሰይ አጀኹም ዓበይቲ

     ሃደሽደሽ ክብል’ዩ ድፋዕ ናይ ጠለምቲ

     እዝንኹም ሰማዒ ዓይንኹም ጠማቲ

ክንደይ ዘይተባህለ ክንደይ ዘይተገብረ

ክንደይ ዘይተኸድዐ ክንደይ ዘይተመኽረ

ውርደት ደድሕሪኡ ብዓል ቀዳድ ስረ

     ጒድጓድ ምጹጽላይ ነጀው ኣብ ቀረባ

     ምኸሪ ናይ ከድዓት ማይ ዘይዓቍር ጅርባ

     ኣብ ዘበጽሖ የብሉን ዝነፈሰ ጎማ

ተጓየዩ በሉ ጽደፉ ብድርፎ

ቦታስ መሊኡ’ሎ እሱር ዝገደፎ

መሰለስ ድዩ ርባዕ ብጺሒትኩም ሓዙ

እሺ ጐይታይ ኢልኩም ጥራይ ትኣዘዙ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2229

Posted by on Nov 19 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net