Poetry

ረኪ ባሻይ ክቕበለካ

ረኪ ባሻይ ክቕበለካ ስምዓኒ

               ግጥምታትካ ብዝሕ መሲጡኒ

              ደጋጊመ ከንብቦ ብሓቂ ደፊኡኒ

ብዙሕ ትሕብር ናይ ቁኑዕ መገዲ

ኣጸቢቑ ዝኹንን ናይ ከዳዕ ማኣዲ

ብርዕኻ በላሕ ናይ ተቃውሞ ዕርዲ

        መቸም ዘለካ ተወከፍ ከምዚ ናትካ ክፍትን

        ሙሁር ኣስቂጡ ኣፉ ሎጒሙ ካብ ዝደንን

        የእሙሮ የቡሉን ዓገብ ምባል ዘይ ውንን

ቡዙሓት ጀጋኑ ንህዝቦም ከድሕኑ ዝቃለሱ

ገሊኦም ከዳዓት ክኣ እዚ ኹሉ ደም ፈሲሱ

ንስርዕት ኢሳያስ ንህዝቢ ንኽጽንት ዝውድሱ

         እዞም ነፋሒቶ እንታይ ዮም ክመስሉ ስርዓቶም ምስ ፈረሰ

         መጋበርያ ከዳዓት ህዝቦም ብመሪር ሓዘን እና ኣልቀሰ

         ኣድቫንተጅ ተጠቒሞም መርየት ክቕበሉ ዝተ ወርሰ

ስርዓት ሽፍታ ፈሪሱ ሓርነት ህዝቢ ምስ ነገሰ

ዝተመንዝዔ ርስቲ ናብ ዋናታቱ ምስ ተመልሰ

 ነፋሒቶታት ሕብሮም ክቅየር  ክመስሉ ሃሳሰ

                እዚ ንኽትግበር ኣለና ንቃለስ ኣብ ጎኒ ውጹዓት

                ተማሕዩ ክሳብ ዝድርበ ህግደፋዊ ተበላጺ ስርዓት

                ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ክርከብ ክውዳኣልና ምዓት

ሚዒድካ ኣይ ንልቢ ምዊጽካ ኣይ ንስኒ

ስጋ በሊዕም ዓጽሚ ዝቕርቡ ኣብ ሽሓኒ

ቁሩሓት ፈላለይቲ ሃገር ግብሮም በታኒ

          ሳኽርም መራሒኦም ብናይ ዊስኪ ጥርሙዝ ዝፋጋእ

          ሕሱራት እዚ እናረኤዩ ጣቒዒቶም ዘይ ይብሉ ሰጋእ

          ብደም ንጹሃት ዝጻወቱ ዊስኪ እና ጀለጡ እናበሉ ጋእጋእ

  ኣንታ ሓቃ እንድያ ማዓት ክውርዳ እዛ ሃገር

  ኣብ ክንዲ ንሰላም ዘምሩሑ ጣቒዒት ንነገር

  ዘሕፍር ዕድል ኣብ ሞንጎ እዚኦም ክንፍጠር

             ዘታባብዕም ዘየፍትዎሎም በጀካ ዘፋራርሖም

             ነቲ ፍሽለቶም ዘይተርፎም ከሪሞም ወሪሖም

             ግድንዩ ብሓርነትዊ ዓወትና ክኸዱ ተመሪሖም

ጻህያይና ነጽሪ እጃምና ነበርክት ኣብ ሓርነታዊ ወፍሪ

ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ፍትሕን ንመጻኢ ወለዶ ነባሪ

ኣብዚ ዘይ ኣምን ክህደን ኣሎዎ ብለይቲ ይኹን ቀትሪ

ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡ ዓሸራ)

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top