ረኪ ባሻይ ክቕበለካ

ረኪ ባሻይ ክቕበለካ ስምዓኒ

               ግጥምታትካ ብዝሕ መሲጡኒ

              ደጋጊመ ከንብቦ ብሓቂ ደፊኡኒ

ብዙሕ ትሕብር ናይ ቁኑዕ መገዲ

ኣጸቢቑ ዝኹንን ናይ ከዳዕ ማኣዲ

ብርዕኻ በላሕ ናይ ተቃውሞ ዕርዲ

        መቸም ዘለካ ተወከፍ ከምዚ ናትካ ክፍትን

        ሙሁር ኣስቂጡ ኣፉ ሎጒሙ ካብ ዝደንን

        የእሙሮ የቡሉን ዓገብ ምባል ዘይ ውንን

ቡዙሓት ጀጋኑ ንህዝቦም ከድሕኑ ዝቃለሱ

ገሊኦም ከዳዓት ክኣ እዚ ኹሉ ደም ፈሲሱ

ንስርዕት ኢሳያስ ንህዝቢ ንኽጽንት ዝውድሱ

         እዞም ነፋሒቶ እንታይ ዮም ክመስሉ ስርዓቶም ምስ ፈረሰ

         መጋበርያ ከዳዓት ህዝቦም ብመሪር ሓዘን እና ኣልቀሰ

         ኣድቫንተጅ ተጠቒሞም መርየት ክቕበሉ ዝተ ወርሰ

ስርዓት ሽፍታ ፈሪሱ ሓርነት ህዝቢ ምስ ነገሰ

ዝተመንዝዔ ርስቲ ናብ ዋናታቱ ምስ ተመልሰ

 ነፋሒቶታት ሕብሮም ክቅየር  ክመስሉ ሃሳሰ

                እዚ ንኽትግበር ኣለና ንቃለስ ኣብ ጎኒ ውጹዓት

                ተማሕዩ ክሳብ ዝድርበ ህግደፋዊ ተበላጺ ስርዓት

                ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ክርከብ ክውዳኣልና ምዓት

ሚዒድካ ኣይ ንልቢ ምዊጽካ ኣይ ንስኒ

ስጋ በሊዕም ዓጽሚ ዝቕርቡ ኣብ ሽሓኒ

ቁሩሓት ፈላለይቲ ሃገር ግብሮም በታኒ

          ሳኽርም መራሒኦም ብናይ ዊስኪ ጥርሙዝ ዝፋጋእ

          ሕሱራት እዚ እናረኤዩ ጣቒዒቶም ዘይ ይብሉ ሰጋእ

          ብደም ንጹሃት ዝጻወቱ ዊስኪ እና ጀለጡ እናበሉ ጋእጋእ

  ኣንታ ሓቃ እንድያ ማዓት ክውርዳ እዛ ሃገር

  ኣብ ክንዲ ንሰላም ዘምሩሑ ጣቒዒት ንነገር

  ዘሕፍር ዕድል ኣብ ሞንጎ እዚኦም ክንፍጠር

             ዘታባብዕም ዘየፍትዎሎም በጀካ ዘፋራርሖም

             ነቲ ፍሽለቶም ዘይተርፎም ከሪሞም ወሪሖም

             ግድንዩ ብሓርነትዊ ዓወትና ክኸዱ ተመሪሖም

ጻህያይና ነጽሪ እጃምና ነበርክት ኣብ ሓርነታዊ ወፍሪ

ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ፍትሕን ንመጻኢ ወለዶ ነባሪ

ኣብዚ ዘይ ኣምን ክህደን ኣሎዎ ብለይቲ ይኹን ቀትሪ

ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡ ዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2188

Posted by on Nov 22 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net