ኣግሂድኩምዶ? ወይ ‘ቲ ለይተይ!

ነሐሰ 18-2005

ብ ረ.ክ. (ባሻይ)

ዘልሓጥ-ሓጥ ከምዘሎ ምዓስ ጠፊኡና

ድጒሽተተይ ኰይኑ ስጒምቲ ከይከድና

ዝሰዓበ ይስዓብኩም ጥራይ ርሓቑልና

      ብዶብ ኣሳቢብኩም ብዙሕ ተዕገርግሩ

      ልሳን ቀያይርኩም ሸንኮለል ትምህሩ

      ሓቂ ከተምስሉ ብዙሕ ተማርሩ

ኣመል ቀደምኩም’ዩ አሎና’ኮ መዝገብ

ትርር ክብል ከሎ ናብ ጸላኢ ዘብዘብ

ገና ‘ላ ኣብ ክሳድኩም ኣላሻዊት ማዕተብ

      ሓንሳእ ብሄር ትብሉ ንሓንሳእ ሃይማኖት

      ንስኻትኩም ሓለይቲ ንሕና ድማ ጓኖት

      ሃተፍ-ተፍ ኢዩ ዘብል ናይ ክሕደት ጽላሎት

ዲክታቶር ረሲዕኩም ምኽኒት ተራብሑ

ዉሕ-ዉሕ መቂሩኩም ከም ከልቢ ትነብሑ

ናይ ጀጋኑ ዕጥቂ ብዓነቀር ክትፈትሑ

      ሓጺናዊ መርገጽ ነቕ ዘይብል መትከልና

      እቲ ዝጀመርናዮ ብስዉእ ምሒልና

      ዝሓበጠ ይቶኰስ ክንቅጽሎ ኢና

ንሕና ንመላኺ ከም ስርዓት ንፈልጦ

ኣብ ደምቤና የልቦን ዕበጦ-ዕበጦ

ብኣኹም ዝሰድዕ የብልናን ወጠጦ

      ንፈልጦ ‘ኮ ኢና ዘኽሰረኩም ሸቐጥ

      ዘይስንከት ቢሑቝኩም ብሓሶት ዝልዕጠጥ

      ፍሑዂ ጀማሚርኩም ከም ተመን በጠበጥ

ሓቂ ዓባቢጥኩም ሓሶት ተጋንኑ

ህግደፍ ጸዊዑኩም ኪዱ ተሓጸኑ

ከምታ ናይ ብኣምሆይ ሒደት ትምዘኑ

      ዝኸውን ገዲፍኩም ዘይከውን ተዕልሉ

      ዝዓወረ ስልጣን ዓይኒ ክትከፍትሉ

      ዝመሽመሸ ስርዓት ትንፋስ ክትሰዂዕሉ

ኣበይ ክለቀኩም ጥልመታዊ ዕብዳን

ህዋሳትኩም ኩለን እምነት ኣይለመዳን

ክትንጸር’ያ ደጊም እንዳ ጓላን ወዳን

ዋዛ ከይመስለኩም ኤርትራዊ ኪዳን!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2236

Posted by on Aug 21 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net