ሓደ በለለይ

ብ ረ.ክ. (ባሻይ) ሚያዝያ 08-2005

ተሰማሚዕና’ምበር ጀሚሮሞ ድሮ

ንበዓል ነጻነት ክህረም ኮቦሮ

ድሕሪ ደጊም ናተይ ገዲፍናዮ ኢና

ናትና ኢና ንብል ሓደ’ዩ ጓይላና

     እወ! ጀሚሮሞ እዞም ሰብ ቶሮንቶ

     ተስፋ ሂቦሙና ቀሪብና’ኮ ፎርቶ

     ኣብቲ ቀይሕ በለቕ በሪኽ ከም እራራ

     መርሓባ ክብሉና ‘ቶም ሰብ ጽቡቕ ጭራ

ብሓንሳብ ነብዕሎ ብዓል ናይ ነጻነት

ኢሎም ወዲኦሞ ኪዳናውያን ማለት

ከምኡ ኢና ዝበልና ልክዕ ኣብታ ርእሳ

‘ተን ሰናቲም ድማ ኣብ ናይ ኪዳን ካሳ

     ሰማዒ ርኸቡ ኣንቱም ሰበ-ወኒ

     ተራእዩ ‘ይፈልጥን ኣብዚ ኔኻ እዝኒ

     ኣጀኹም ቶሮንቶ ሓደ’ሞ በሉለይ

     ኣመስጊነ’ለኹ ክብረት ይሃበለይ

ኮቦሮ ገዲፍኩም ልብኹም ህረሙ

ባህ’ኳ ኣይብሎምን ብዓል ምጹ-ድሙ

ኣዂድዱ ንቕድሚት ተመለሱ ዙርያ

ባህ’ኳ ኣይብሎምን ህበየ-ወኻርያ

ሃተፍ-ተፍ ጀሚሮም ፈኰስቲ ከም ክንቲት

     ጥንቅልዒት ግብሮም ከም ጭራ ዕንቅርቢት

     ከጸልሎም ደልዩ ጀሚሮም ነፈስ-ፈስ

     ቀይዲ ናይ ሓድነት ሓኒቑዎም ከርፈስ

ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ናይ ዋጭለ-ጋውና

ዝሓዝካ ዘይብለካስ ናብ ጽቡቕ ምርሓና

ኣይዞ በል ቶሮንቶ ኣሰንብድ ጸላእቲ

ገዳም የብሎምን ናይ ሓሶት ፈለስቲ

     ተበገስ ደራሳይ ተልዓል ጸሓፊ

     እለመለይ ቃላት ብፊደላት ጥልፊ

     ንገር ቀሪቦም’ዮም ኣኺሉ ስንብታ

     ኣብ ማእከል ኣኻውሕ ዝቦቖለት ኪታ

ደራሲት ሃገረይ ብኽብረት ከልዕላ

ኤርትራዊት ማህጸን ዘይትነጽፍ ዒላ

ብርዕን ወረቐትን እስከ ዓንድርሉ

ቃላትኪ ጥዑም’ዩ ዓንጎ ምስ ቃንዴሉ

     ድምጽኺ ኣስምዕዮ ብሓያል ጎሮሮ

     ፈንካሕ-ካሕ ክብልዩ ዘይተደፍነ ዕትሮ

     ድርቂ ኣትዩዎም’ዩ ኣብዚሖም ፈኸራ

     ኣበይ ዘሎ ሓርጭ ሰብ-ጥራዩ ቦዂራ

ንከተል ቶሮንቶ ‘ተደሌና ንሕተት

ስቕ ኣይብሃል’ንዩ ተኣዊጁ ክተት

ሰምቢዶም ርዒዶም ብዓል ኮንቶ-መንቶ

ትርግታ ናይ ልቦም ዳርጋ ገዲፋቶ!!!

ዝኽሪ ንስዉኣት ኣብ መሬት ዘለዉ

ምእንቲ ክብረትና ደሞም ዝኸዓዉ!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2243

Posted by on Apr 8 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net