ስብረ-ዜና (Breaking News)

ብ ረ.ክ.(ባሻይ)

ተኻታቲልኩምዶ ናይ ለንቅነ ዜና

እምብለይ ጀሚሩ ሰራዊት ሃገርና

ተደዊሉ ደወል ሰሚዖም ስምረትና

      ዓቢጦሞ ነይሮም ኣብ ሕጻ በረኻ

      ዝሰምዕ ዘይብሉ ዘእወኻ ‘ተእወኻ

      ክላ-ዋእ ኢሉዎም በቲኹ ማሕለኻ

ዕባይ ናይ ከበሳ ቆላታት የውርዶም

ዕባይ ናይ ቆላታት ንኸበሳ ይወስዶም

ኩሉ ከም ዝኾነ ረሲዑዎ ዓዶም

      እምብለይ ኢሉዎም ሓጹር ፈናጢሱ

      ጐኒጹዎም ከይዱ ዋርድያ ጥሒሱ

      መንእሰይ ሃገረይ ዳንግኡ ፈረሱ

መዓስከር ዕግርግር ኣኺሉ ስዓታ

ዝኽተብ ስኢና ሓደ መተካእታ

ኣጻብዕታ ቈርዩ መን ክስሕብ ቃታ

      ካብ ሑቝፊ ኣዴታቶም ሕጻናት የውርዱ

      ድሕሪት ምልስ ‘ተልካስ ‘ቲ ናይ ቅድም ከይዱ

      አይ ሀ ሁ ኣይ ቶዂሲ ኮለጅ ተዋሪዱ

ክንዲ ቤት-ትምህርቲ ክንዲ ናብ ፋብሪካ

ተገዝኡ ዝብል ከይሃበ ፈረንካ

መጻወቲ ኰይኑ ወዮ ሕጻ ባርካ

      ኣጆኻ ባርካና መሰረት ቃልስና

      መዓስ ረሲዕናካ ተሰዲድና ኢና

      ካብ ሓርቢ ከብድኻ ሸይኽና ሰቲና

ኩሉ እንድዩ ከቲቱ ኩሉ ተበጊሱ

ብዘይካ ግሩዛት ኣጒድኦም ዘፍረሱ

ጥልመት ትሕዝቶኦም ስንፍና ዘውርሱ

      ኣብዛ ስዓት’ዚኣ መንከ ዘይዓጠቐ

ብዘይካ ሰላሊ ህዝቡ ዘይናፈቐ

ብድልኽ ከድዓት ልቡ ዝረቐቐ

ተባተኽ በጺሕና ንስኻ ወይ ኣነ

ተፋሊጥና ኣለና ዘይረብሕ ምስሌነ

ደቂሱ ኣይሓድርን ፍትሒ ዝስኣነ

ቀላጽም ውጹዓት ዓወት’ዩ ዝምነ!!


Short URL: https://english.farajat.net/?p=2238

Posted by on Apr 11 2005 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net