ማርያም ዳዓሪት ኣብ ከተማ ሮተርዳም ብድምቀት ተኽቢራ ዊዒላ።

ነግዲ ማርያም ዳዓራት ኣብ ከተማ ሮትርዳም ብቀዳም ዕለት 20-05-2006 ብዓቢ ድምቀት ተኽቢራ ዊዒላ። ማርያም ደዓሪት ከረን ከምቲ ልሙድ ኩሎም ኤርትራውያን  ክርስትያንን ኣስላምን ሐቢሮም ተሐቓቕፎም ዘውዕልዎ ሃይማኖታው`ን ባህላው`ን ዕምቖት ዘለዋ ክብርቲ ዕለት እያ።

ካብ ሰዓት ሐደ ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ማእከላይ ኣውሮጳ ኣትሒዙ ተሳተፍቲ በዓል ዓበይትን ንኣሽቱን  ካብ ርሑቅን ቀረባን  በብቅሩብ ኣብቲ ንግደት ማርያም ደዓሪት  ዝካየደሉ ቀጽሪ ቤተክርስትያን  ክተኣኻኸቡ ጀሚሮም። ክሳብ ንእሽተይ ህጻን ክትጥመቅን ንመጀመርያ ግዜ ክትሳተፍን ብወለዳ ምስተነግራ ድማ ንኩሉ ግዜ ኣብ ኣተሐሳስባኣ ተሰሪጹ ዝነብር ነግዲ ማርያም ዳዓሪት ተሳታፊት ክትከውን ከም ኩሉ ዕዱም ሰብ ቦትኣ ሐዘት።

ክቡር ኣባ ክብርኣብ ካብ ሃገረ ጀርመን ብምምጻእም ነዛ ክብርቲ ማዓልቲ እዚኣ ምሳና ሐቢሮም ብምውዖሎምን መንፈሳዊ ኣመራርሐ ብምህቦምን መዓርግን ግርማን ዝመልኣ ማርያም ደዓሪት ኮይና ብድምቀት ተኸቢራ ዊዒላ።

ኣብ መጨረሻ ድማ ኩሎም ዕዱማት ተቀሪቡ ዝነበረ ልስሉስ መስተን መግብን ድሕሪ ምምጋብ። ባህላውን ሃገራውን ድርፍታት ብምስናይ ብወኒ ዝመልኦ ሳዕስዒት ሐጎሶም ብምግላጽ ንዓመታ ብሰላም የራኽበና ብምባል ነናብ ዝመጽዎ ተጋዒዞም።

ካብ ደቂ ከረን ተቀማጦ ሆላንድ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2465

Posted by on May 21 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net