ሚኒስተር ውጻኢ ጉዳያት ሱዳን ኣብ ኤርትራ ዘለዉ እሱራት ንሕፍትሑ ይጽውዕ፡

ስርዓት ኣስመራ ነቲ ብፕረስደንት ሱዳን ዝተወሰደ ስጉምቲ ምሕረት ነቒፉ

ጋልፍ ኢንፎርሚስን ስንተር
ሓምለ 03, 2005 
ካርቱም 

  ዋና ጻሓፊ ውድብ ሑብራት ሃገራት ሚስተር ኮፊ ኣናን ነቲ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ዝተሓሳስብ ክብል ከምዝገለጸ ዝበጽሓን ዜና ሓቢሩ።ንሱ ዶባዊ ጸገም ኤርትራን ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ንባይቶ ጸጥታ ሓቅታት ክዕዘብን ዑደት ክገብርን ኣብ ምፍታሕ እቲ ጸገም ክሕግዝ ጻውዒት ኣቕሪቡ።እዚ ዝረአ ዘሎ ናይ ወጥሪ ሃዋህዉ ኣብ ምንጎ ክልትኤን ሃገራት ፖለቲካዊ ዝርርብ ዘይምህላዉ እዩ ካብል ሚስተር ኮፊ ኣናን ኣስሚርሉ።እዚ ድማድሕሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ንስርዓት ኣስመራ መጠንቕቅታ ድሕሪ ምሃቡ ዝመጽእ ዘሎ እዩ።

ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ዶክተር ሙስጠፋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ከምዝገበረ እቲ ዜና ይሕብር።ኣብ ዑደቱ ምስ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣቶ ስዩም መስፍን  ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳያት ዞባ ቐርኒ ኣፍርቃ ተመያይጡ።ዶክተር ሙስጠፋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብስርዓት ኣስመራ ዝግበር ዘሎ ተጻብኦታት ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ነቒፉ።ስርዓት ኣስመራ ሓደገኛ ስርዓት ንዞባዊ ሰላም እዩ ድሕሪ ምባሉ ሱዳን ነቲ በቲ ስርዓት ዝገበር ዘሎ ምትእትታው ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብዕቱብ ከምትሕዞ ምዃና ኣስሚርሉ።

ስርዓት ኣስመራ ነቲ ብፕረስደንት ዑመር ኣልበሽር ዝተዋሃበ ውሳነ ምሕረት ንናይ ፖለትካ እሱራት ብዓል ዶክተር ሑሰን ኣልቱራቢ ዝርከብዎ ከምእውን ምልዓል ስዓት ሕላፍ ድሕሪ ዓለማዊ ጸቕጢ እዩ ብምባል ብመገዲ ቲቪ -ኤሬ ነቒፉ።ዶክተር ሙስጠፋ ነቲ ዝተዋሃበ ነቕፌታ ክምልስ ከሎ ናይ መዳእታ ስርዓት ብዛዕባ ዲሞክራስን ናጽነትን ክዛረብ ዝለዎ ክብል ገሊጹ።ሱዳን ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ ምግባር፤ ኣብ ምፍታሕ ሽግራት ከምእውን ኣብ ምምጻእ ሰላም ከምዝተዓወተት ብምሕባር ስርዓት ኣስመራ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ክፈትሕን ስቅያት ህዝቡ መደምደምታ ክገብር ይግብኦ ክብል ኣስሚርሉ።ዶክተር ሙስጠፋ ኣስዒቡ ኣብ ኤርትራ ዘልዉ እሱራት ፕለቲካ መዘንኡ ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ፤ ካልኦት ሚኒስተራት፤ ዓሰርተ ሰለስተ ዝኾኑ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ፤ክልተ ኣምባሳደራት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዝነበሩን ካልኦት ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እቲ ስርዓት ዝርከቡ ንኽፍትሑን ናብ ፍትሓዊ ቤት ፍርዲ ንኽቐርቡን ጻዕርታት ክግበር ንማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ፕረስደንቲ ስርዓት ኣስመራ ምስ ዲሞክራሲያዊ ምትእኽካብ ተቓወምቲ ሱዳን  ኣብ ኣስመራ ዝገበሮ ርክብ ሃገሩ ንምስፋን ሰላም ኣብ ሱዳን ከምእትድግፍ ድሕሪ ምግላጹ ኣብቲ ዝመጽእ መድረኽ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ሱዳን ክሳተፉ ገሊጹ።ስርዓት ኣስመራ ኣብ ውሽጥን ደገን ምፍትሕ እሱራት ተቐባልነት ረኪቡ ዘሎ ውሳነ ዝነቕፍ እዘሎ እንኮ ስርዓት እዩ።ካልኦት ብዙሓት ሃገራት  ኣብዚ ዞባ ድሕሪ ዲሞክራሲያዊን ፖለቲካዊን ለውጢ ምውሳደን ስጉምቲ ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካ ከምዝወሰዳ ይዝከር።ኤርትራ እታ እንኮ ሃገር ህላወ ተቓወምቲ ዘይተኣምን ብምዃና ናብ ሓደ ዓብይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ትርከብ።ብዙሓት ዞባዊያንን ኣህጉራዊያንን ኣብ መሰል ደቂ ሰባት ዝነጥፋ፡ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራዊያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እቲ ስርዓት ከምዘለዉ ብምጥቃስ ኤርትራ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቐዳማይ ደረጃ ከምትርከብ ይገልጻ።እቶም መስከረም 18, 2001 ንለውጢ ዝሓተቱ ዓበይቲ መራሕቲ እሞ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዓብይ ተራ ዝነበሮም ከምእውን ብዓሰርተታት ዝቁጸሩ ጋዜጠኛታት፤ ብኣማኢት ዝቁጸሩ ሰዓብቲ ናይቶም ለውጢ ዝሓተቱ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኖም ከምዘለዉ ይፍለጥ።ገለ ካብኡም ንምጥቃስ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ወጻኢ ጉዳይት ኤርትራ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣቶ መሓመድ ሸሪፎ፤ ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙንን ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤን፤ሚኒስተር ዜና ነበር ኣቶ በራኺ ሃብተስላሴ፤ሚኒስተር መጓዓዝያ ነበር ኣቶ ሳልሕ ከኪያ፤ጀነራል ዑቕበ ኣብራሃ፤ ጀነራል ብርሃነ ገ/ሄር፤ሚኒስተር ቱሪዝም ወ/ት ወርቁ፤ኣምባስደር ሓመድ ሓላፊ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ  ጉዳያት ከምእውን ኣብ ሱዳንን ኣብ ስዑድን ኣምባሳደር ነበር፤ ኣምባሳደር ኣሕመድ ዓሊ ብርሃን ኣብ ኩዌት ነበር፤ እድሪ ኣባዓረ ዳይርክተር ዕዮ ከምእውን ካልኦ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣበርክቶ ዝነበሮም ንዲሞክራሲያዊ ምርጫ ዝወሰዱ ይርከቡ።በቲ ስርዓት ዝግበር ዘሎ ግፍዒን ማእሰርትን ዘጋድዶ ዘሎ ስቕታ ማሕበረሰብ እዩ።

ዳይርክተር ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር(ጋኢሲ) ነዚ ተግባር ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ክኩንን ክነቅፍን ከቃልሕን ጸንሑን ኣሎን።ብመሰርት እዚ ድማ ጋኢሲ ስእልታት ናይቶም ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ምስ ዳይርክተር ጋኢስ ትዝርግሕ። 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2751

Posted by on Jul 3 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net