ስርዓት ኣስመራ ሓዳሽ ንግዳዊ ትካል መስሪቱ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ግንቦት 15, 2005
ካርቱም  

  ሓድሽ ስጉምቲ ምንጻል ስርዓት ኣስመራ ዘርእይ እቲ ስርዓት “ሕድሪ” እትባሃል ሓዳሽ ትካል መስሪቱ።ዕላማ ናይታ ተመስሪታ ዘላ ትካል ምውዛዕ ሃለክቲ ነገራት ናብ ህዝቢ ብመልክዕ ራሽን ምዃኑ እቲ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።እዚ ኣገባብ ሕብረት ሶቭየት እትጥቐመርሉ ዝነበረ ሶሻሊስታዊ ስርዓት ነበር እዩ።እዚ ኣገባብ ፕረስደንት ሕብረት ሶቭየት ነበር ሚካኤል ጎርቫቾቭ ዝሰረዞ፡ ተቐቢሩ ዝነበረ ሎሚ ስርዓት ኣስመራ የበራብሮ ኣሎ።እዚ ሓድሽ ስጉምቲ ስርዓት ኣስመራ ወሲድዎ ዘሎ ንግዳዊ ንጥፈታት ንምባሕትን ንምዕብላልን ምዃኑ እቲ ዜና ይሕብር።ንግዳዊ ንጥፈታት ብምንግስታዊ ትካላት ከምዝካየድ ንምግባር ዝዓለም እዩ።ከምዝዝክር ትካል ቀይሕ ባሕሪ (09) ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ጸገም ከምዝጓነፋ ይፍለጥ።ምእሳር እቶም ሓለፍቲ ነበር ብሰንኪ ብልሽውና ከምእውን ምስጓግ ብዙሓት ሰርሓተኛት ናይታ ትካል ንጥፈታት ንምንካይ ቐንዲ ምኽንያት እዩ።ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣቶ ሃይለ ወልደትንሳኤ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ነበር ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ሓላፊ ገንዘባዊ ጉዳይ ከምዝነበረ ይፍለጥ።እታ ሓዳሽ ተመስሪታ ዘላ ትካል ክልተ ምኽንያት ክህላዋ ይኽእል እዩ።ቐዳማይ ምውዛዕ ረድኤት ካብ ለገስቲ ዝተረኸበ ናብ ህዝቢ።እዚ ድማ ብለገስቲ ዝውሃብ ዝነበረ ወቐሳ ንምድሓን እዩ።እዚ ዝኸውን ዘሎ እቶም ውሃብቲ ሓገዝ ደው ከብላ ምዃነን ኣብ ዘጠንቐቓሉ እዋን እዩ።እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ እዛ ሓዳሽ ትካል በቶም ዓበይቲ መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ትምራሕ ኮይና ከም መውጽኢ ቁጠባዊ ጸገማት ናይቲ መንግስቲ ምዃና እቲ ዜና ይሕብር።ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት እቲ ዝደሓረ ቁጠባዊ ፖሊሲ ዝኽተል ምዃኑ ይፍለጥ።በዚ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ኤርትራ ተጻባይ ሓጋዝ ካብ ወጻኢ ከምዝኸውን ገይዎ እዩ።

 በቲ መንግስቲ ተኣታትዩ ዘሎ ሓድሽ ኣገባብ ለገስቲ ሃገራት ደገፈን ደው ከብላ ምዃነን ተዓዘብቲ ይትንበዩ ምኽንያቱ እዘን ለገስቲ ሃገራት ንሶሻሊስታዊ ኣመራርሓ ዝስዕባ ሃገራት ሓገዛት ከምዘይህባ ይፍለጥ።እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ንኤርትራ ናብ ዝያዳ ተነጽሎ ዘእትዋ ስጉምቲ ምዃኑ ይገልጹ። ፕረስደንት ኣልባንያ ነበረ ኣንዋር ኾጃ ዝስርሓሉ ዝነበረ ኣገባብ ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ይስዕቦ ኣሎ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2797

Posted by on May 15 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net