መደበራት ዜና ኢጣልያ ንተቓወምቲ ወድባት ኤርትራ ኣብ መደባተን ኣፍደገ ከፊተን

v     ልኡኽ መደበር ዜና ኢጥልያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ንመጀመርያ ግዜ ምብጻሕ ገይሩ  

 

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  

 ፍ.ገብረሂወት

 

ካርቱም ሚይዝያ 19, 2005

 

ልኡኻት ማእከናት ዜና ኢጣልያ ምስ ኣቦ-መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣቶ ሑሰን ክሊፋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ርክባት ኣካይዶም።ኣብቲ ርክብ ኣቶ ሑሰን ንህዝቢ ኢጣልያ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።ኣብ መልእኽቱ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኤርትራ፤ጠንቒ ቁጠባዊ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ፤ዕላማን መርግጸን ኤዲኪ፤ጻዕርታት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ምስፋን ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ገሊጹ ክብል ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።ብተወሳኺ ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ድሕሪ ምዝርዛር እቲ ልኡኽ ንስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ማዓሰከራት ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ንኽበጽሕ ጻዕርታት ኣካይዱ።ብመሰርት እዚ እቲ ልኡኽ መደበር ዜና ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ንመጀመርያ ግዜ ምብጻሕ ገይሩ።ኣብተን ማዓስከራት ኣስታት 7,000 ኤርትራዊያን ይርከቡ።እዚ ቁጽሪ ድሕሪ ዶባዊ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝዋሓዘ ዝበጽሓና ምንጪ ሓቢሩ። ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ነቲ ልኡኽ ተመሳስሊ ዑደት ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ሰደተኛታት ኤርትራዊያን ንኽገብር ዕድመ ኣቕሪቡ።

 

ድሕሪ ርክባት ምስ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ኢጣልያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ንስደተኛታት ኤርትራዊያን ፋይል ከምዝኸፈት ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

ብዘይካ እዚ እቲ ጉጅለ ምስ ፍሉጣት ኤርትራዊያን ርክባት ኣካይዱ።ምስ ኣቶ መሓመድ ጣሃ ተወከል ዲርክተር ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣቶ መሓመድጣሃ ብዝዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራ፤ርክብ ስርዓት ኣስመራ ምስ ጉራብቱ፤መጻኢ ርክባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምእውን ግደ ኢጣልያ ኣብ ቐርኒ ኣፍርቃ ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ስፊሕ መግለጺ ነቲ ልኡኽ ሂቡ።

 

ኣቶ መሓመድጣሃ ብምቕጻል ኢጣልያ ምስ ስርዓት ኣስመራ ትገብሮ ዘላ ምድግጋፍ ድሕሪ ምኩናን ነቲ ኣምባሳደር ኢጣሊያ ኣብ ኤርትራ ነበር ብስም ኣውሮጳዊ ሕብረት  ነቶም ብስም G-15 ዝፍለጡ ንለውጢ ዝተበገሱ ሰበ-ስልጣናት ኣብ ምጥባቕ ዝኣተወቶ ቃል ክስብ ሕጂ ተግባራዊ ስጉምቲ ኣይወሰደት ከብል ንድኽመትን ምዝንጋዕ ሞራላዊ ሓለፍነትን መንግስቲ ኢጣልያ ከምእውን ምትሕብባር ኢጣልያ ምስ ማልታን ሊቢያን ኣብ ምምላስ ሰደተኛታት ኤርትራዊያን ናብ ኤርትራ  ወቒሱ ክብል ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።

 

ዶክተር ኣልጋይነሽ ጋንዲ ንዑደት ልኡኽ ዜና ኢጣልያ ኣብ ምዕዋት ዓብይ ተራ ከምተጻወተት እቲ ዜና ሓቢሩ።ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ዜና ንሳ ኣብ ምልላይ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ፤ ኣብ ምጥባቕ መሰላት ሰደተኛትት ኤርትራዊያን ኣብ ሊቢያን ቱኒዝያን ንዝርከቡ ዘይሕለል ተራ ትጻወት ዘላ እያ ድሕሪ ምባል ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሊብያ ንዝርከቡ ኣስታት 3,000 ከምእውን ኣብ ቱኒዝያን ንዝርከቡ ኣስታት1,500 ሰደተኛትት ኤርትራዊያን ምብጻሕ ከምዝገበረት ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መፋርቕ 2005 ኣውሮጳዊ ፓርላማ ኣብ ቤልጅም ኣብ ዝገበሮ ንሰብእዊ መሰላት ዝምልከት ኮንፈረንስ ብዛዕባ ምግሃስ ሰብእዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከምዘቓለዐት እቲ ዜና ሓቢሩ።ከምዝፍለጥ ዶክተር ኣልጋይነሽ ኣባል ግሪን ፓርቲ-ኢጣልያ እያ። ንሳ ኣብ ከፍሊ ወጻኢ ዝምድናታት እቲ ፓርቲ ሓላፊ ዴስክ ኣፍሪቓ ኮይና ትሰርሕ ዘላ እያ።ኣልጋይነሽ ካብቶም ቐዳሞት ንስወራ ኤርትራ ክበጽሑ ካብ ደገ ካብ ዝመጹ ቐዳመይቲ ተማሃሪት ጓል ኣንስቴይቲ  እያ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2830

Posted by on Apr 19 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net