News

ኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኤዲኪ ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ኣብ ከሰላ ኣኼባ ኣካይዱ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ካርቱም  
ግንቦት 31, 2005  

ኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን(ኤዲኪ) ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ንኻድረታት ኤዲኪ ኣብ ከሰላ ንዝርከቡ ኣኼባ ኣካይዱ።ኣብቲ ኣኼባ ኣቶ ሑሰን ነቲ ንምስፋን ሰላምን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ብኤዲኪ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት፤ ኣገደስቲ ምዕባለታት ምስ ጎራብቲ ሃገራትን ውጽኢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ምብጻሕን ዘርዚሩ።ኤዲኪ ዘገብሮ ዘሎ ዓለማውን ህዝባዊ ርእይቶ ንምንጻል መንግስቲ ኤርትራን ንምቅላዕ ነቲ ዝገብሮ ዘሎ ምግሃሰ መሰላት ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ኣቶ ሑሰን ኣብርሁ። ኣብ ፖለቲካውን ዜናውን ጻዕርታት ኣመልኪቱ ድማ ብሬድዮን ተሌቪዥንን ንህዝቢ ኤርትራ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ከምዝሓበረ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኣብቲ ብቛንቛታት ትግርኛን ዓረብን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቱ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዘሎን ዕላማታትን ጻዕርታትን ኤዲኪ ንምስፋን ሰላምን ጸጥታን ከምእውን ንምምስራት ዲሞክራሲያዊት ሃገር ከም ዝሓበረ ኣፍሊጡ።ኣብቲ እኼባ ኣስታት 90 ካድረታት ኤዲኪ ከምተሳተፉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።

ምስ እዚ ዝተኣሳሰር ዜና ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ጀነራል ፍሩቕ ሓሰን ብኤርትራ ዝድገፉ ዑጡቓት ተቓወምቲ ሱዳን ኣዕናዊ ስርሒታት ኣብ ልዕሊ መስመራት ነዳዲ፤ ጽርግያታትን ዓበይቲ ናይ ህንጻ ማሽነራትን ንምግባር ወጢኖም ከምዘለዉ ገሊጹ።ከምእውን ሓልፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ(ሱዳን) ኣሰይድ ሜጂዙብ ኣልኸሊፋ ሰለስተ ሓልፍቲ ባይቶ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ብተቓወንቲ ውድባት ሱዳን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ብምጭዋዮም ሓደ ካብ ተግባራት ግብረሽበራ ምዃኑ ብምጥቓስ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ውድባትን ንኤርትራ ከምዝኸሰሰ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ልቢያ ንፕረስደንት ኢሰያስ ፍልልያቱ ምስ መንግስቲ ሱዳንን ኣብ መንጎ ዞባ ዳርፉር ዘሎ ክፋላልዮ ከምዝግባእን ምስ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ፍልልያት ንዞባ ድርፉር መበለጺ ከይጥቐመሉ ኣተሓሳሲቡ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top