ኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኤዲኪ ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ኣብ ከሰላ ኣኼባ ኣካይዱ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ካርቱም  
ግንቦት 31, 2005  

ኣቦ መንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን(ኤዲኪ) ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ንኻድረታት ኤዲኪ ኣብ ከሰላ ንዝርከቡ ኣኼባ ኣካይዱ።ኣብቲ ኣኼባ ኣቶ ሑሰን ነቲ ንምስፋን ሰላምን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ብኤዲኪ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት፤ ኣገደስቲ ምዕባለታት ምስ ጎራብቲ ሃገራትን ውጽኢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ምብጻሕን ዘርዚሩ።ኤዲኪ ዘገብሮ ዘሎ ዓለማውን ህዝባዊ ርእይቶ ንምንጻል መንግስቲ ኤርትራን ንምቅላዕ ነቲ ዝገብሮ ዘሎ ምግሃሰ መሰላት ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ኣቶ ሑሰን ኣብርሁ። ኣብ ፖለቲካውን ዜናውን ጻዕርታት ኣመልኪቱ ድማ ብሬድዮን ተሌቪዥንን ንህዝቢ ኤርትራ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ከምዝሓበረ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኣብቲ ብቛንቛታት ትግርኛን ዓረብን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቱ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዘሎን ዕላማታትን ጻዕርታትን ኤዲኪ ንምስፋን ሰላምን ጸጥታን ከምእውን ንምምስራት ዲሞክራሲያዊት ሃገር ከም ዝሓበረ ኣፍሊጡ።ኣብቲ እኼባ ኣስታት 90 ካድረታት ኤዲኪ ከምተሳተፉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።

ምስ እዚ ዝተኣሳሰር ዜና ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ጀነራል ፍሩቕ ሓሰን ብኤርትራ ዝድገፉ ዑጡቓት ተቓወምቲ ሱዳን ኣዕናዊ ስርሒታት ኣብ ልዕሊ መስመራት ነዳዲ፤ ጽርግያታትን ዓበይቲ ናይ ህንጻ ማሽነራትን ንምግባር ወጢኖም ከምዘለዉ ገሊጹ።ከምእውን ሓልፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ(ሱዳን) ኣሰይድ ሜጂዙብ ኣልኸሊፋ ሰለስተ ሓልፍቲ ባይቶ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ብተቓወንቲ ውድባት ሱዳን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ብምጭዋዮም ሓደ ካብ ተግባራት ግብረሽበራ ምዃኑ ብምጥቓስ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ውድባትን ንኤርትራ ከምዝኸሰሰ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ልቢያ ንፕረስደንት ኢሰያስ ፍልልያቱ ምስ መንግስቲ ሱዳንን ኣብ መንጎ ዞባ ዳርፉር ዘሎ ክፋላልዮ ከምዝግባእን ምስ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ፍልልያት ንዞባ ድርፉር መበለጺ ከይጥቐመሉ ኣተሓሳሲቡ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2857

Posted by on May 31 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net