ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ

ትማሊ ንሳዋ፡ ሎሚ ንጀነቭ ብኣስገዳድ !

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

ዕለት 19 ለካቲት

መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ 1993 እቲ ዘይዕላዊ ጸዋዒት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ካብ 1994 ሓምለ ከኣ ብእውጅ ዘይፍትሓዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ኣቦ ስድራ/ኣደ ስድራ ካብ ዝብይን እንሆ ልዕሊ 15/16 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ንዘይተወሰን ዓመታት ግዜ ንምምጣጥ፡ ዝተፈላልየ ምኽንያት እንዳምጽኤ፡ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንገዝኦም ከይተመልሱ ከም ዝተርፉ፡ እቶም ብኣንጻር ተግብር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ብልዑል ሓላፍነትን ትብዓትን ዝተባህሎም ፈጺሞም ብሂወቶም ዘየለዉ ጀጋኑ ኤርትራውያን መእሰያት ጥራሕ ዘይኮኑ፡ እቶም ብሂወቶም ካብ ብሱል ጥረ ዝወጽ’ውን ዘጠቓለለ ቁጽሪ’ዩ። ብሕጽር ዝበለ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝወፈረ ንቤቱ ዝተመልሰ የልቦን።ምልካዊ ስርዓት ክሳብ ብሂወት ትሓልፍ ዘይምሕር ጋኒን ዝዀነ ስርዓት ንመእሰይ ምስ ሩባን ስንጭሮን፡ ጎቦታትን ኣጻምእ በረኻታት ከርተት የብሎም ኣሎ።

ሎሚ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ብኣስገዳድ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ  ዕስክርና ሓሊፍዎ ኣብ ሃገር እንዳማቱ፡ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ጣልያን፡ ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ዓባይ ብርጣኒያ፡ ሽወደን፡ ኖርወይ ንዝርከቡ ሰዓብቱ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ጎስጓስ የካይድ ኣሎ።

እዚ ናይ ሽወደን ጉዳይ ከም’ቲ ኣብ ካልእ ብዙሓት ሃገራት ዝፍጸም ዘሎ ኣስገዳድ፡ ኣብ ሽወደን’ውን ክሳብ ገዛ ገዛ እንዳደወሉን ደወሉን እንዳዃሕኵሑን፡ ኣብ ኤምባሲ ዘሎ መዝገብ ገንጺሎም እንዳረኣዩን፡ መዝገብ ሰብ ንብረት፡ መሬት ዝተዓደሉ፡ ኣባይቲ ዝገዝኡ ዘበሉ ብምፍርራሕ ብዘይድሌቶም ንጀንቭ ክኸዱ ይግበር ኣሎ።

ሰብቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ነቲ ትማሊ ዝምክሕሉን ዝጃሃርሉን ዝዋራዘይሉን ዝነበሩ ምልካዊ ስርዓት፡ ደጊም ግዜ ቆጺራኣ ዘይትርስዕ ኣረኻኺባትሎም ከካብ ገዝኦም ብእዝኖም ወጢጡ ፡ ናብ ኣደባብይ ስቶክሆልም ዘይኮነስ፡ ናብ ኣደባባይ ጀነቫ ክኸዱ ገይሩ ኣሎ። ናይ’ዚ ምኽንያት ከኣ ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኤርትራ ኣኽራሪ መንስግቲ’ዩ ኣብ መዝገብ ቶሮሪስት ዝኣተወሉ፡ ትእዛዝ ሰላማዊ ሰልፊ መላኺ መራሒ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተጣሒሱ ከይሓልፍ፡ ኩሉ ዝከኣል ብንብረት፡ ብውክልና ንዘለዎ፡ ብንብረቱን ገዝኡን ትካሉን ብምፍርራሕ ይካየድ ኣሎ።ሕሉፍ ሓሊፉ ነቶም ብውሽጢ ውሽጢ ምስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ርክብ ዝነበሮም ኣብ ቃልዕ ከውጽኦም ዝተገደደሉ ግዜ፡ ብዘይካ ስልጣኑ ካልእ ዘዓጦ ምዃኑ ኣብሪህሎም።

በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ብዙሓት ናይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ሰዓብቲ ኢና በሃልቲ፡ ብዙሕ ሻቕሎትን ተርባጽን ዝረኣየሉ ዘሎ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ደጊም ንሳቶም’ውን ኣብ ሓደ ቃራና መንገዲ ምርጫ ዝበጽሕሉ ይመስል። እቲ ምርጫ ግን ገና ኣብ ኢዶም ዘሎ እዩ።

ፍትሕን ርትዕን ይንገስ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=297

Posted by on Feb 20 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net