ኣባላት መርሒነት ዲሞክራሲያዊ ኤርትራዊ ኪዳን ምስ መደበር ዜና ሱዳን ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣካይዶም

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር

ፍ.ገብረሂወት

 ካርቱም

ሎሚ ዕለት 10/03/05 ኣባላት መርሒነት ዲሞክራሲያዊ ኤርትራዊ ኪዳን ድሕሪ ምፍራም ቻርተር ማለት 05/03/05፡ ካብ ማዕከናት ዜና ሱዳን፤ ኤም.ቢ.ሲ፤ ኣልጀዚራን ካልኦትን ዝርከብዎ ልዕሊ 25 ጋዜጠኛታትን ከምእዉን ሓሙሽተ ኣህጉራዊያ ሰተላይቲ ተሌቪዥን ቻነልስ ዝተረኸባሉን ኣብ መደበር ዜና ሱዳን ጋዜጣዊ ዋዕላ ገይሮም።ነዚ ዋዕላ መደበር ዜና ሱዳን የአንጊድዎ።ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር በቲ ምስ ዝተፈላልየ ማዕከናት ዜና ዘለዋ ርክብ ነዚ መደብ ዕውት ንኽከውን ዓብይ ተራ ተጻዊታ።

   ምክትል ዲርክተር መደበር ዜና ሱዳን ነቶም ኣጋይሽ ድሕሪ ምልላይ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ምብጽሑ ድሕሪ ምጥቓስ፡ እዚ ስጉምቲ ንምድሓን ህዝቢ ኤርትራ ምውሳዱ ኣገዳሲ እዩ ስለምንታይ ዝምድና ህዝብታት ሱዳን ኤርትራን ታሪኻዊ ምትእስሳር ስለዘለዎ ኢሉ።ድሕሪ እዚ ነቶም` ዑዱማት ኣጋይሽ ዕድል ሂቡ።ኣባላት መርሒነት ኤዲኪ,ኣቶ ሑሰን ከሊፋ፤እቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፤ኣቶ ኣሕመድ ናስር፤ኣቶ ሓምድ ቱርኪን ኣቶ ስዩም ዑቕባሚካል ኣቦ መንበር ሰውራዊ ባይቶ, ኣብ ዝሓለፈ እዋን ክሰማምዑ ኣይኻእሉን ትባሃሉ ነይርኩም።ሕጂ ዳኣ እንታይ ሓድሽ መጽኡ?እቲ ስርዓት ብምንታይ ክትቓለስዎ ኢኹም?ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት እንታይ ትገብሩ ነይርኩም?እቲ ስርዓት በቲ ዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ ንሕቶታትኩም ክሰምዖ ይኽእል ድዩ?፤ ወታደራዊ ሓይሊ ክትጥቐሙ ዲኹም?ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እንታይ ሓይሊ ኣለኩም?እዚ ሕጂ ትገብርዎ ዘለኹም ሰላም ናይ ሱዳን ኣይዘርጎን ዶ?  ዝብሉን ካልኦትት ሕቶታትን መልሲ ሂበምሉ።

 

 ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ኤርትራዊ ኪዳን ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓት ብምግላጽ ነቐፈቲኡ ገሊጹ።እቲ ስርዓት ንዝምድና ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎራብቲ ዝነበሮም ዘሪግዎ ድሕሪምባል ታሪኻዊ ኣመሰራርታ ናይቲ ኪዳን ገሊጹ።እቲ ስርዓት ክወድቕ እዩ ብዛዕባ ከመይ ንዝብል ግን ብዝርዝር ሕጂ ንዛረበሉ ኣይኮነን።ግዚኡ ሓሊዩ ክመጽእ እዩ ኢሉ።ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ብምቕጻል እዚ ስርዓት ካብ ህዝቢ ተነጺሉ ኣሎ፡ ከምእውውን ካብ ማሕበርሰብ ዓለም።ከምቲ ሓዲሽ ናይ ብእሲ ስም ተዋሂብዎ ዘሎ ንሕናውን ናምነሉ። ስለዚ እዚ እንታይ የርእይ እዚ ስርዓት ናብ ምውዳቕ ገጹ ይኸይድ ምህላዉ እዩ።እዚ ስርዓት ዝጥቐመሉ ዝነበረ ሜላ ጸገመይ ካብ ደገ እዩ ዝብሎ  ነይሩ ፡እዚ ፖሊሲ ግን ፈሽሉ ኣሎ።እዚ ሓድሽ ኪዳን ንኹሉ ኤርትራዊ ዝጥርንፍ እዩ፡ ንኣብነት ኣቶ መስፍን ሓጎስን ኣቶ ዓብደላ ኣደምን ምስቲ ስርዓት ብምጽናሕ ፡ ሕጂ ግን ኣንጻሩ ደው ብምባል ምስዚ ኪዳን ሓቢሮም ኣለዎ።ስለዚ ነቲ ስርዓት ንምውዳቅ እቲ ቀንዲን ኣገዳስን እቲ ኩነታት ምትዕርራይ ጥራይ እዩ ክብል ኣስሚርሉ።

 

 

     ኣቶ ኣሕመድ ናስር ወጻኢ ጉዳይ ኤዲኪ ፡ እዚ በጽሒናዮ ዘለና ዓብይ ዓወት እዩ ብናትና ተመክሮ ስለምንታይ ኣብ መንጎና ጸገም ነይሩና።እቲ ቃልሲ ናይ ኤርትራ ክብርን ፈተውትውን ነይረሞ።እዚ ብቃልስናን መስዋእትናን ዘምጻናዮ እዩ ኢሉ።ኣብ ግዜ ናጽነት ብዙሕ ሕቶታት ይላዓል ነይሩ እንተኾነ ግን እቲ ስርዓት ጽቡቕ ስለዘሎ ዕድል ሃብዎ ዝብል ነይሩ።ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ወሲዱ ማሕበረ ሰብ ዓለም ግን ክሰምዓና ኣካለን። ድሕሪ ኩናት ዶብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብ ክሰምዓና ጀሚሩ።ኣብ ውስጥና ዝነበረ ጽገም’ውን ነይሩ።ብሰንኪ እዚ ንምሕበረሰብ ዓለም ሓደ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ከነቕርብ ኣይካእልናን። እቲ ግፍዒ ናይቲ ስርዓት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሓሊፉ ናብ ጎራብቲ ሃገራት በጺሑ።ሕሉፍ ሓሊፉ ኣቲ መንግስቲ ከም ሓደ ረባሺ ቖልዓ ይፍለጥ ኣሎ።ንሕና ተቓወምቲ ኣብ ሓድ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ተሰማሚዕና ኣለና።ቕድም ናይ ተቕወምቲ ሓይሊ ተበታቲኑ ነይሩ።ሓደ ነቲ ሓደንምዕብላል ይረአ ነይሩ፡ ነዚ ገዲፍና ሓንቲ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ንምህናጽ ብሓባር ተበጊስና ኣለና።ንህዝብናን ህዝቢ ዓለምን እዚ ኪዳን መተካእታ ናይ ዝውድቕ መንግቲ ክኸውን ይካል እዩ ብምባል ነፍልጥ ኣለና።እዚ በጺሕናዮ ዘለና ኤርትራው ብዘያፈላላይ ሃይማኖት፤ ዓሌት፤ ብሄርን ካልእን ዝነብረላ ኦሚክራሲያዊት ሃገር ንምህናጽ ጽቡቕ ስጉምቲ ጀሚርና ኣለና።ብምቅጻል ኣቶ ኣሕመድ ናስር፡ ንሕና ኣንጻር እዚ ስርዓት ብብዙሕ መገዲ ኢና ክንቃለስ፡ ብመገዲ ምዕከናት ዜና፡ ብዲፕሎማሲ ጻዕርታት፤ ከምእውን ቁጠባ ናይቲ ስርዓት ኣንቆልቂሉ ስለዘሎ እዚ ብዓሉ ሓደ መሳርሒ እዩ።እቲ ስርዓት ካብ ህዝብን ጎራብትን ተነጺሉ እዩ ዘሎ። ኣብዚ ዓለም በይንኻ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ።ስለዚ እቲ ስርዓት ንሕቶ ዲሞክራሲ ናይ ግድን እዩ ክምልስ።

 

      ኣቶ መንግተኣብ  ኣስመሮም ሓላፊ ዜና ኤዲኪ ዓወት እዚ ኪዳን ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ዘሎ ዝምድና የትርሮ እዩ ድሕሪ ምባል፡እቲ ቐንዲ ዕላማና ኣብ ኣስመራ ዝሎ ዲክታተርዊ ስርዓት ኣውዲቓ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ምትካል እዩ።ህዝቢ ኤርትራ መስሉ ዝረጋገጸሉን ቐሲኑ ብሰላም ምስ ጎራብቱ ዝነብረሩ ሃዋሁው ምፍጣር እዩ።ስለዚ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምስዚ ተመስሪቱ ዘሎ ኪዳን ምእንቲ ምትካል ዲሞክራሲ ደው ክብሉ ጻውዒት ኣቕርቡ።እዚ ሰራዊት ናይ ህዝቢ ከምኻኑ መጠን ኣክል ነይዚ ኪዳን እዩ።እቲ ሰርዓት ብሰለማዊ መገዲ ነዚ ንምፍትሑ ክቕበል፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ፡ ከምእውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኑ እዚ ኪዳን ደው ክብል ንጽውእ ኢሉ።ስለዚ ቤት ጽሕፈት ዜና ነዚ ንምግባርን ንምዕዋቱን ክጽዕር ምኻኑ ቃል ኣትዩ።

 

     ኣቶ ስዩም ዑቕባሚካአል ብወገኑ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምቕያር ቐንዲ ዕላማ ኤዲኪ እዩ ድሕሪ ምባል ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዲክታቶራዊ ስርዓት ዘሎ ህዝብናን ብሰንኪ እዚ ስርዓት ሰላሞም ተዘሪጉ ዘሎ ጎራብትና ምድሓን እዩ።ህዝቢ ዓዲ ገዲፉ ይስደድ ኣሎ እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ስርዓት እዩ።ከይ ሓበርና ዋላሓንቲ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ከምእውን ምሕበረሰብ ዓለም ክፈልጥ ጸኒሑ ድሕሪ ምውድቓ እቲ ስርዓት ተካኢ ዝኸውን

 

 

ከምዘይጸነሐ።ስለዚ ሰላምን ርግኣትን ንህዝቢ ኤርትራን ጎራብትነን ከነምጽእ ኣለና።እቲ ስርዓት ዝገብሮ ዝሎ ምግሃስ ሰብኣዊ ምሰላት፡ ብክቕላሕ ማህበረሰብ ዓለም ከምዝፈልጥ ገይርና ኢና።ስለዚ እዚ ምግባርና ሓደ ርኡይ ዓወት እዩ። ህዝቢ ተቓሊሱ፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን እስኪ እዚ መንግሲቲ ሓድሽ ስለዝኾነ ዘይንእዮ ኢልና ጸንሒና ።እንተኮነ ግን ንሕቶ ዶሞክራሲ ክምልስ ኣይካእለን።ንሕና ንሓስበሉ ነይርና ህዝቢ ግን ብሰንኪ ዓውት ናጽነት ኤርትራ ዕይኑ ስልዝዓወረ ነዚ ኣብ እዋኑ ክርእይ ኣይኻኣለን።ሕጂ ግን እቲ ጉዳይ በሲሉ ኮይኑ ይስማዕኒ።ሕቶ ናይ ህዝቢ ዲሞክራሲ እዩ። እዚ ብምሕበረሰብ ዓለም ተቐባልንት ረኺቡ እዩ።

 

     ኣቶ ሓመድ ቱርኪ ብወገኑ ንሕና ካብቲ ስርዓት ንጥልቦ ዘለና ጉዳይና ብሰላም ንኽፍታሕ እዩ።ከምቲ መንግስቲ ሱዳን ምስተቕወምቲ ብሰላም ፈቲሓቶ ዘላ፡ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓትውን እዚ ጉዳይ ብሰላም ክፈትሖ ንጽውእ።ናህና ቃልሲ ምስ መንግስቲ ሱዳንን ተቃውምቱን ይመሳሰል እዩ።ንሕና ኣብ ኣመራ ለውጢ ንዲሞክራሲ ብሰላም ክመጽእ እዩ ድሌትና። ኣብ ቃልሲ ዝኾነ ስብ ዝምሰሎ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ።ንህና ሓደስቲ ኣይኮናን ኣብት ቃልሲ ዝጸነሓና ኢና።

 

     ነቲ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ኣልጀዘራ ኣብ ቐርኒ ኣፍኢቃ ኣቶ መሓመድተሃ ተወከል ነቲ ጉዳይ ተከታቲልዎ ነይሩ።ብዛዕባ እዚ እንትይ ርእይቶ ኣለካ ኢልሓቲተዮ ነይረ። ንሱ ክምልስ ከሎ፡ እዚ ኮንፈረንስ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ኣብ ታሪኸ ተቓወምቲ ውባት ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ።ከም ናይ መጀመርታ ተመኩሮ ይኩን እምበር ግልጹነት ንይርዎ።እዚ እንታይ እዩ ዘርእይ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ኪዳን ደገፉ ምግልጹ እዩ ዘርእይ ዘሎ።ኣብዚ እዋን ወጻኢ ጉዳይ የምን ኣስመራ ኣትዩ ኣሎ።ኣብ መንጉ መንግስቲ ሱዳንን ኤርትራን ምስጢራዊ ርክባት ነይሩ።ናዚ ብግልጺ ምውጻእ ግን መንግስቲ ሱዳን ንሕብረት እቲ ኪዳን ደገፉ ዘርእይ እዩ።እቲ ፋይል ናይ ተቓወምቲ ኣብ ተመዛዚ ተዓጹ ዝነበረ፡ወጺኡ ከምዘሎን ህላውኦም ኣብ ሱዳን ዘርእይ እዩ።ኣስታት ዒስራን ሓምሽተን ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ተከታትሎ ካብዚኦም ሓሙሽተ እንድሕሪ ኣቅሊሖሞ ነቲ ኪዳን ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት እዩ።ክሳብ ሕጂ ናይዞም ተቓወምቲ  ጸገም ዝነበር ዓው ኢሎም ድምጾም ከስማኡ ዘይምኻኣሎ እዩ ነዩር ፡ ነዚ ሰጊረሞ ኣለዉ።ስልዚ እዚ ኮንፈረንስ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚ እዩ።እቶም ተቓውምቲ ነዚ ዕድል ብምጥቓም ነቲ ሕቶታት ብጽቡቕ መሊሰሞ እዮም።እዚ ናይ መጀመርታ ኮንፈረስ ነሩ ንእኦም።ኣብ መጻኢ ከምዚ ዝመሰለ ዕድል ምስዝረክቡ ብጽቡቕ ክጥቐምሉ ተስፋ ኣለኒ።

       ካብቲ ምምርሒታት ናይቲ ኪዳን ከይወጹ ምምላሶም ንዓይ ካብ ዘደቐኒ ጉዳዩ ስለምንታይ ሓደነት ናይተን ውድባት ይንጸባርቕ ስልዝኾነ።ንዓይ ከም ኤርትራዊ ጽቡቕ ተበግሶ እዩ።ከም ጋዜጠኛ ክርእዮ ክለኹ ግን ተሞኩሮ ዝዋሓዶ ናይ ፕሮቶኮል ኣቐራረባ ነይርዎም።ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብኣካል ምሳኦም ተራኺበ እቲ ዝነበር ጉዳይ ክነግሮም እየ።

    ኣብቲ ቦታ ካብ ዝነበሩ ጋዜጣኛታት ኣዘራሪበ ነይረ፡ ተመሳሳሊ መልሲ እዮም ሂቦምኒ።ብዝዕባ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣፍልጦ ከምዘይጸንሖ ጥቂሶም።ሕጂ ግን ብዙሕ ተማሂርና ኢሎም። ካብቲ ዘሽቕለና ጉዳይ ግን ዝምድና ምስ ጎራብቲ ከመይ ክከውን እዩ? ነቲ ስርዓት ብኸመይ እዮ ከውድቕዎ? ዝምድና ምስ ኣሜሪካ ከመይ ክኸውን እዩ? ዝብል ሰፊሕ መልሲ ንመጻኢ ዝጽበይዎ ዘሎ እዩ።ካብዚ እንታይ ኢና ንርዳእ ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ተቓወምቲ ኤርትራ ብዙሕ ኣፍልጦ ከዘይብሉን እዩ።ስለዚ ሓለፍቲ ዜናን ወጻኢ ጉዳያትን ዓብይ ጻዕሪ ይጽበዮም ከምዘሎ ክፈልጡ ይግባእ።

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2980

Posted by on Mar 11 2005 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net