ሓፈሻዊ ጸብጻብ ጉዕዞ አሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሱ/ዓረብያ – ጨ/ሪያድ

መሰረታት ግሃድኤ አብ ሪያድ ካብ ዕለት 22/01/2006 ጀሚሮም ብሓባር ንድፊታት ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ህንጻ ሕግን ስርዒታዊ መትከላትን ብግቡእ ክመያየጡን ርኢቶታቶም ከቀምጥሉን ድሕሪ ምጽንሖም ብዕለት 24/02/2006 አሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሱዑዲ ዓረቢያ አብ ዝጸዋዓቶ ሓፈሻዊ አከባ ሰፊሕ ምይይጣት ድሕሪ ምኪያድን ሓፈሻዊ ገምጋም ድሕሪ ምሃብን ክሳብቲ ናይ ምጽንባር ዘሎ ግዜ ብከመይ ተዋሃሂዶም ኪሰርሑ ከምዘለዎም መደባቶም ብምስራዕ አከባ ብዓወት ተዛዚሙ።

መሰረታት ግሃድኤ ሓድነታዊ ምጽንባር ብተግባር ንኽረጋገጽ ካብ ዘለዎም ዕግበት ብምብጋስ ብዘለዎም ዓቅሚ ከይተሓለሎም እጃማቶም ከበርክቱ ዘለዎም ቅሩብነት ገሊጾም አብ ከባቢና ንዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ምንቅቃሕን ምብራህን ጎሽጋሽ በቢዘለዎም ዓቅሚ ጻዕሪታቶም ከካይዱ ሙኻኖም አረጋጊጾም።

አሰናዳኢት ሽማግለ ሱ/ዓረቢያ ስራሓታ ብግቡእ ንምስልሳል ካብ ኩለን ጨንፈራት ዝተመዘዘት ሓንቲ ተሓባባሪት ኮሚተ ብምቓም ንተደናገጽቲን ካብ ዝኮነ ምንቅስቃሳት ቦኺሮም ዝጸንሑ አባላትን ንህሉው ኩነታት ሃገርና ብሓፈሻ ንጉዕዞ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብፍላይ ንምብራህ ሰፊሕ መግለጺታትን ዓቢ ናይ ምይይጣት ባይታ ዕድል ዝህብ አኸባታት ከተዳሉ ሓደ ካብቲ አገዳሲ መድባታ ኮይኑ አብ ምትግባሩ ትርከብ።

ተሓባባሪት ኮሚቴ እውን ብወገና ንጨንፈራዊ ሽማግለታት ናይ ግሃድኤ ውድባት አብ ከተማ ሪያድ ብጥርኑፍ አገባብ ንምስራሕ አብ ሓንቲ ናይ ግሃድኤ ጨንፈራዊት ሽማግለ ተጠርኒፎም ነዚ ናይ መሰጋገሪ መድረክ ብሓባር ከስርሖም ዘክእል መድባት ብምውጻእ  አብ ምትግባሩ ይርከቡ።

ጨንፈራዊት ሽማግለ ግሃድኤ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መደባታ ንጉባኤና ሓጋዚ እዩ ዝባሃል ሪኢቶታትን ሃናጺ ዝኮነ ሓሳባትን ናይ ገንዘብ ሓገዛትን ካብ ተድናገጽቲ ኤርትራውያን ንምርካብ መሰረታትና ብግቡእ ክዋፈሩሉ ዘክእሎም ጽሑፋትን ድብዳበታትን አዳሊያ  አብ ማዓልታዊ ስራሓታ ተፋውፊራ ትርከብ።

ህዝቢ ኤርትራ ኡፎይታን ቅሳነትን ዝረኽበላ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምምስራት ቃልስና ቀጻሊ ኢዩ

ብዘይ ሓድነት ክረጋገጽ ዝክእል ዓወት ስለዘየለ ሓድነትና መሰረታዊ ሓይሊ ናይ ቃልሲና ኢዩ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3058

Posted by on Apr 11 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net