ስለ መዓልቲ ነጻነት፡ ጒንበት 24 ብ ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ

ሎሚ ህዋሳት ኤርትራውያን ናበይ ከም ዝምቀላ ኣዚዩ ዘሸግረን ምዓልቲ ኢዩ። በቲ ሓደ መንገዲ ሎምስ እምበር ሎሚ ኢያ፡ ካብዞም ኩሎም ሰንሰለታውያን ገዛእቲ ሓይልታት ብመሪር ቃልስን ኣዚዩ ክቡር ጻማ ደምን ዝዓደግናያ ክብርቲ ዕለትዶ ከይኮነት፡ ከመይ ዘይንሰራሰር? ኩሉ እቲ ዝኸፈልናዮ’ኮ ጻማ ዝተኸፈልናላ ዕለት ኢያ፡  ሎሚ’ኮ ምህርቲ ዓውዲ ገድልና ዝተሓፍሰላ መዓለቲ ኢያ፡ ዘሪእና ዘፍረናላ፡ ሓበን ዝተጎናጸፍናላ ዕለት እንድያ! ኣእጋርና ይዝለላ፡ ኣእዳውና ባንዴራ የምበልብላ፡ ልሳናትና ይዓልላ፡ ኣዒንትና ቍሊሕሊሕ ይበላ፡ የእዛንና ናይ ሓጎስ ድመጺ ክስምዓ የትክላ፡ ጎሮሮና ይኖቁ፡ ከናፍርና መዝሙር ነጻነት ንምሉእ ዓለም ይዘርግሓ ናብ ምባል ከድህባን ክሸባሸባን ከለዋ፡ በቲ ሓደ ጐድኒ ድማ ሎምስ ኣቦይ፡ ኣደይ፡ ወደይ፡ ጓለይ፡ ሰብኣየይ፡ ሰበይተይ፡ ሓማተይ፡ ሓሞይ ዓርከይ፡ ሕጽይተይ፡ ሕጹየይ፡ ዘመደይ ኣዝማደይ ብዓቢኡ ክኣ መቃልስተይ ነዛ ክብርቲ መዓልቲ እዚኣ ጠምዩ ጸሚኡ ሰንኪሉ ንዝተማባጽዓሉ ህዝቢ ዘረከበ ብጻየይ ብጸይተይ ትኣሲሮም ተመቝሖም ተጨውዮም ተሰዲዶም ተገፊዖም ኩሉ ዓይነት ሽግር ረዂቦምላ ዘለዉ መበል 15 ዓመት ምዓልቲ እውን ስለ ዝዀነት፡ ህዋሳትና ዝዀንኦን ዝውዕልኦንሲ ባዕለን ይፈልጥኦ ኢልካ ምሕላፉ ደኾን ይሓይሽ?

ሎሚ ሂወት ኤርትራዊ ኣብ መንጎ ኣዝዩ ብርሃንን ደልሃመትን ደው ኢላትሉ ዘላ መበል 15 ዓመት ምዓልቲ ዝክር ክልተ ተጻራሪ ተርእዮታት ኢያ። እንዳተሓጎስና ንነብዓላ፡ እንዳበላዕና ንጠምየላ፡ እነዳኣንቃዕረርና ንደነላ፡ እንዳስሓቕና ንትክዘላ መበል 15 ዓመት ኢያ። ስማ ምዓልቲ ነጻነት ኰይኑ ብምንም ትኣምር ኣይትቕየርን ኢያ፡ ትሕዝቶኣ ግን ንዓኣ ዘይግባእ ርስሓት በኪሉዋ ዘሎ ምዓልቲ ኰይና ኣላ። ብሓደ ኢድና ባንዴራ ኲርዓት፡ በቲ ካልኣይ ኢድና ክኣ ታቤላ ንብዓት እነልዕለላ ምዓልቲ ኤያ ምስ እንብል እቲ ብትኽክል ንኽውንነት ዘንብብ ወዲ ኣዳም ሓቅኹም ይብለና። ኩላትና እቶም በርግጽ ብኤርትራውነትና እንሕበን ንኤርትራውነትና ከቢቡዎ ዘሎ ግፍዕን መከራን ድማ ብትኽክል ኣብ ኣዕጽምትና ኣትዩ እነንቀጥቅጠላ መዓልቲ ኢያ።

ሎሚ ጒንበት 24 ኩሎም ገፋዕቲ መለኽቲ ብምልክት ደምናን ባንዴራ ስዉኣትናን ከደናግሩን ክስዕስዑን ዳንኬራ ክገብሩን ነታ ናይ ህዝብና ሃብቲ ናቶም ከምስልዋ ክውዕሉን ኢዮም። ኤርትራውያን ክኣ ሓሶት! ጒንበትሲ ናትና ኢያ፡ ናትኩምሲ ምልኪ ኢያ፤ ነናትና ድኣ ንሓዝ ዝብሉላ ምዓልቲ ኢያ።

ናይ ብሓቂ ድማ ጒንበት ኣብ ልዕሊ መለኽቲ ክትዕወትን ብዋናታታ ክትምዕርግን ብቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ንኻልኣይ ግዜ ክስራሓላን ኢዩ። ምልካውያን ባንዴራ ደርቢዮም ክሃድሙ፡ ኤርትራውያን ድማ ባንዴርኦም ኣልዒሎም ክስዕሙ ግድን ክኸውን ስለዝኾነ፡ ህዋሳትና ከይተፈራረቓ ምሉእ ፍስሃ-ዎሰላም ዝትልበባሉ 24 ጒንበት ክትህልወና ኢያ።

ክበሪ ነቶም ደም ዝኸፈሉላ

ውድቀት ነቶም ዝዋጥዩላ

ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3424

Posted by on May 24 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net