ካብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ሰባት ብሃንደበት ይጠፍኡ ከምዘለዉ ተሓቢሩ ።

GIC
03/1/2007
  ብመሰረት ካብ ከባቢ መዓስከራትን  ኣብ ካባቢ ዶብ እትርከብ ከተማ ከሰላ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ ኣብ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን ናይ 2006 ካብ ከሰላ ሓሙሽተ ሰባት ብዕለት 16/12/2006 ብሃንደበት ሃለዋቶም ከምዝጠፈኣን ፣ እቲ ኣጋጣሚ ድማ  ምስ ምምጻእ ሓልፊ እቲ ብምክትታል ዶባት ዝፍለጥ ኣሃዱ  ዞባ ስርሒት 1 ብርጌድር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ናብ ከሰላ ምንባሩ ተገሊጹ ።

 ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እቶም ሓሙሽተ ኤርትራውያን ብስርዓት ህግደፍ ተጨውዮ ዝብለ መረዳእታ ከምዘሎን ኣስማት ናይቶም ሰባት ድማ እዚ ዝስዕብ ይመስል ።

1.    ኣልኣሚን ኣደም      ………….. ዓዱ ግርማይካ

2.    ሓሰን ተስፋይ         …………  ዓዱ ተሰነይ

3.    መድረኽ ሃብተሚካኤል ..……….   ዓዱ ግርማይካ

4.    ኣኑር       >>       ..……….   ዓዱ  ተሰነይ

5.    ዓድል       >>                   >>

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ሓደ ሚልዮን  ዝተባህለ ኤርትራዊ  ዜጋ ብዕለት 2/10/2006 ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ዝኣተወ ኮይኑ ኣብ ዕለት 3/10/2006 ዘይተፈልጡ ሰባት ናብ መዓስከር ወዲ ሸሪፈይ ብታክሲ ብምምጻእ ቤተሰብካ ኣብ ከሰላ ይደልዩኻ ኣለዎ ኢሎም ምስ ወሰድዎ ስጋብ ሕጂ ደሃይ የብሉን ። ምልዮን ኣብ ዓሰብ ካብ 1997 ስጋድ 2001 ኣብ ጉጅለ ባህሊ በይሉል ዝነጥፍ ዝነበረ ኮይኑ ካብ 2001 ንደሓር ግን ናብ ሳዋ ብምኻድ ኣብ ሳዋ ከም ዓላሚ ክሰርሕ ከምዝጸንሓ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።    

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3456

Posted by on Jan 3 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net