ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ን18 ሚያዝያ 2011

ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ገማግም ሰሜን ኣሜሪካ (East Coast and West Coast) ኣብ ከተማታት ቶሮንቶን ሳንፍራንሲስኮን ንዕለት 18 ሚያዝያ 2011 ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ተመዲቡ’ሎ። እዚ ነቲ ብዝተፈላለየ መንገድታት ብመንእሳያት ደቀ ኣንስትዮን ካልኦት ዜጋታትን ክቐርብ ዝጸንሐ ጻውዒታት ብምምላሽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዞባ ሰሜን ኣሜርካ ከምዝድገፍን፤ ኩሎም ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዝነጥፉ ዘለዉ ኣባላት ህዝባዊ ሽማግለታትን ካልኦት ተቓለስትን ነናብ ዝቐርቦም ከተማ ብምኻድ ክሳተፍዎ ሃገራዊ ኮምሽን ይጽውዕ።  

ኣብዚ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ኩሉ አንጻር ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ፤ ሰላምን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክሰፍን ዝድግፍ፤ ስደትን ምብትታንን ህዝብና ከብቅዕ ዝደሊ፤ ምጽናትን ምብራስ ዓድታትን ቁሸታትን ደው ክብል ዝድግፍ ኤርትራዊ ክሳተፍ ንጽውዕ።

ኣብ’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዝኾነ ይኹን ናይ ኣረኣእ ፍልልይ፣ ውድባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ዕድመ፣ ጾታ፣ ካልእ ፍልልያት ብዘየገድስ ኩሉ ኤርትራዊ ክሳተፍን፤ አእጃሙ ከበርክትን ይጥለብ።

አብ ሊብያ ዋና ሲኢኖም፤ ኣብ በረኻታት ሲናይ ዝረድኦም ስኢኖም ዘእውዩ ዘለዉ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ንምድሓን ንበገስ።

ድምጽና ነስምዕ፤ ዘይቀንእ አይወለድ እዩ’ሞ ካብቲ ኣብ ከባቢና ዝሕንበብ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ከይተረፍና፤ ንለዓል፤ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተሓይሩ ኣፉ ተዓቢሱ ዘሎ ህዝብና ኣፍ ድምጺ ንኹኖ ሞራልን ተስፋን ንሃቦ።

ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ሰልፊ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታን ዝካየደሉ ቦታትን ሰዓታትን በተን ሽማግለታት ህዝቢ ናይ’ቲ ከባቢ ክስዕብ ምኻኑ ንሕበር።

ኣብ ምውዳድ’ዚ ሰልፊ ከተበርክቱ እትደል’ዩ በዚ ዝስዕብ ኢመይል encdc.na.office@gmail.com ወይ pcnctoronto@gmail.com ክትውከሱ ንሓትት።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራ

ውድቀትን ፍሽለትን ንጽግዕተኛ ዲክታተሪያዊ ስርዓት ህግደፍ

ዝኽሪን ክብሪን ንጀጋኑ ስውኣትና

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ዞባ ሰሜን ኣሜርካ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4045

Posted by on Apr 3 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net