News

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ሳታቫንገር ነርወይ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ነቶም ኣብ በረኻ ሲናን ሊብያን ዘለው ፍታሕ ክገብረሎም ዝፅውዕ ሰልፊ ኣካይዶም

ዓርቢ, 29 ሚያዝያ 2011

ኣብ ከተማ ስታቫንገር (Stavanger)  ነርወይ (Norway) ዝርከቡ ኤርትራዉያን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት ናዚ ሰልፊ ዝገበርሉ ምኽንያት ክገልፁ ኸለው ፡ብምኽንያት እቶም ኣብ ምድረ-በዳ ሲና  ግብጺ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተጨዉዮም ተሓይሮምን ብኻራ ዝሕረዱ ዘለዉ ብምዝካር ብምሕዛንን: ነቶም ኣብ ገምገም ሞት ኮይኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ንምድሓን: ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን  መንግስቲ ኖርወይን: ካልኦትን ክሕግዙና ዝኽእሉን ብሰላማዊ ሰልፊ ድምጽና ከነስምዕ ኢና ሰልፊ ወፂእና ኢሎም ::

ነቲ ሰልፊ ዘዋደዱ መንእሰያት ምኻኖም ዝገለፁ ደጀን ተኸስተን መሓመድ ያሲንን ዕላምኦም ንወከልቲ መንግስቲን ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ሰልፍታትን ሚድያን  ብዛዕባ’ቲ ሽግር ንምግላፅን ቆላሕታ ረኺቡ ፍታሕ ክወሃቦ  ንምግባር ምኻኑ ተዛሪቦም።

አሕዋትና’ዮም ዝሞቱን ዝሳቀዩን ዘለው ስለዚ  ኣብ ካልእ ኩርናዓት ዓለም ዘለው ኤርትራውያን ነዚ ቁዱስ ሓሳብ እዚ ሲዒቦም ኣብ ዘዘለዉዎ ሰላማዊ ስለፊ ክገብሩ ንምሕፀን ክብሉ’ውን ፀዊዖም።

sorce : http://www.voanews.com/tigrigna

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top