መሓመድ ኢድሪስ ንኣባላት ጨንፈር ጀዳ ኣኼባ ብዓወት ዛዚሙ።

ኣቦመንበር ሰልፊ ናህዳ ሓው ኑር መሓመድ ኢድሪስ ብሓሙስ 28 ታሕሳስ 2011 ንኣባላት ጨንፈር ጀዳን ከባቢኣን ዘጠቓለለ ኣኼባ ብዓወት ዛዚሙ።

ኣቦመንበር መግለጺኡ ብዝኽረ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝተቐዝፉ ኤርትራውያን ዜጋታት ድሕሪ ምጅማር መሪር ሃገራዊ ሓዘን ምዃኑ ሓቢሩ ንኹሎም ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዝሳኣኑ ስድራቤታት ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ። ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ዚ ተረክቦ ስርዓት-ህግደፍ ብምዃኑ ኩላትና ኤርትራውያን ነዚ እከይ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ንምእላይ ሓድነትና ኣደልዲልና ብሓባር ንክንቃለስ ጸዊዑ።

ኣስዒቡ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኣኼባ ኪዳንን ብኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝኻየድ ዘሎ ጻዕርታትን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ኣብ ጎኒ ኮሚሽን ኮይኑ ንክሰርሕ ኣማሕጺኑ።

ካብኡ ቀጺሉ ብኣባል ማእከላይ ሽማግለ ዝቐረበ መግለጺ ቐሪቡ ካብ ኣባላት ንዝቐረበ ሕቶታትን ድሕሪ ምምላስ ኣባላት ጨንፈር ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ዘድሊ ጻዕሪ ከካይዱ ከምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ክፍሊ ዜና
30-04-2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4352

Posted by on May 3 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net