7ተ መንእስያት ዓፋር ብጀልባ ናብ ወደብ ሑዶይዳ ንመንግስቲ የመን ኢዶም ምሃቦም ተሓቢሩ።

ብ30 ሰነ 2011 7ተ መንእስያት ዓፈር ብወተሃደራዊ ጅልባ ፈይቨር ዝዓይንታ ካብ ኣርዑት ጭፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ ብምህዳም ካብ ጢዖ ተበጊሶም ናብ ወደብ ሑዶይዳ የመን ምእታዎም ተረጋጊጹ። መሓውራት ስለያ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምስ ዘምልከቶም መንግስታዊ ሰብ መዚ የመን ንምምላሱም ጽዑቕ ርኽባት ንምክያድ ምብጋሶም ምንጭታት የሕብሩ። እዞም ዜጋታት እዚኣቶም ብኣሰገዳድ ንኤርትራ ምስ ዝምለሱ፡ ዕጭኦም ከምቲ ብ2008 ኣብ ማእከል ቀይሕ ባሕሪ 12ተ መንእስያት ደቂ ጢዖ 3ተ ከባቢ ዕዲ ኣብ መውዳእታ እቲ ዓመት፡ ብ2010 ከኣ 3ተ መንእሰያት ደቂ ኩሎማ ብጀምላ ዝተረሸኑ ከም ዘጋጥሞም ይግመት።

ብተወሳኺ ንህድማ እዞም 7ተ መንእስያት ግብረ መልሲ ኩራ ንምሃብ ዓንደ ማርያም ዘተባህለ ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ብ01 ሓምለ 2011 ንህዝቢ ከተማ ጢዖ ኣኺቡ ብድሕሪ ምህዳድን ምፍርራሕን ንሓላፊ ልምዓት ባሕሪ ንመዕቆቢ ዓሳ ዝኸውን በረድን ነዳዲ ጀላቡ ከይወሃቦምን ንባሕሪ ከይወርዱን ትእዛዝ ኣማሓላሊፉ። ከምኡ’ውን ንባሕሪ ዝወረድ ቅንጸላ ከም ዘካይድ ተሪር መጠንቐቅታ ሂቡ። እዚ ኣረሜናዊ ውሳኔ”ዚ  ነቲ ብዓሳ ምግፋፍ ዝነብር ህዝቢ ዓፋር ከቢድን ንብረስቱ ዘዓለመን ሰለ ዝኾነ ብወገና ንመላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ዘካይድ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ጅምላዊ ብርሰትን ካብ መረበቱ ምፍንቓልን ብሰላም ከይነብር ምሕራምን ኣብ ልዕሊ’ቲ ሂወት ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዘጥፍአ ሓደጋ እሳተ-ጎመራ ንምድሓኑን ሰብኣዊ መሰላቱ ንምውሓስን ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻወቱ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንጽውዕ።

ቤት ጽሕፈት ዜና

ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

 04/07/2011

 

 

 

Information & comm. Office ,Red Sea Afar Democratic Organization, Addis Ababa, Ethiopia+251913075764 (telephone) +251912097006 (telephone), Email: rsado98@yahoo.com, Website: – www.dahlak.org

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5293

Posted by on Jul 6 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net