ሰሚናር ጨንፈር ጅዳ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብዓውት ተዛዚሙ

ብቀጻሊ ዘካየድ ዘሎ ስሚናራት ብሓሙስ ዕለት 07/07/2011 ኣቦ-መንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ሓው ኑር እድሪስን ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ፡ መሪሕነት  ጨንፈር  ጅዳን  ከባቢኣን  መሪሕነት ጨንፈር  ርያድን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡  ዝተሳተፍዎ ዕውት ሰሚናር ተኻይዱ ።   

ኣቦ-መንበር ጨንፈር ጅዳ፡ ንመሪሕነት ሰልፍን ኣባላትን   ኣጋይሽን እንኵዕ ዳሓን መጻእኩም ክብል ሰሚናር ድሕሪ ምኽፋቱ ፡ ቀጺሉ መሪሕነት ሰልፊ ክምዚ ዓይነት ዕውት ሰሚናር  ምክያድ፡  ንኣባላቱ  ዝሕይልን  ኣብ ህዝብና ክሕድርዎ ዝኽእሉ  ጽልዋ ናይ ሰልፊና ዓቢ ምዃኑ ሓቢሩ ፡  ክምኡ”ውን ኣብ ሞንጎ መሪሕነትን መሰረትን ዘሎ  ናይ ቀረባ ርኽክብ  ምስክር ኮይኑ  ንንጥፈታት  ሰልፍና ዝዕውት ኢዩ ክብል ገሊጹ፡: ብተወሳኺ ነዚ ሰሚናር ንምዕዋት ዓቢ ጻዕሪ ዝካየደት   ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣመስጊኑ::  ኣቦ-መንበር  ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ: ንተሳተፍቲ  ሰሚናር ካብ ዘስመዖ ቃል  ቃልሲ ሰልፍና  ምእንቲ  ናጽነት ማዕርነት ዶሞክራስን  ድሕነት ሃገርን   ህዝብን ንምርግጋጽ ክምዝኾነ ኣብሪሁ።  ቀጺሉ  ሰልፍና    ካብ  ዝምስረት ክሳብ እዚ ዘለናዮ መድረኽ  ሓይሉን ንጥፈታቱን እንዳ ዓበየ ፡ ወጻኢ ዝምድናታቱ  ብዚያዳ  እንዳ ድልደለን.  ምስ ደምበ ተቃዎሞ ብሓባር ምስራሕን፡  ከምኡ”ውን ከምቲ ዝሓለፈ  ሃገርዊ  ዋዕላ  ንምዕዋት ዝካየድናዮ ጻዕሪ፡  ሕጂ”ውን ሰልፍና  ንመጻኢ  ሃገራዊ  ጉባኤ  ንምዕዋት  ምስ ሃገራዊ ኮሚሽን  ዝካይዶ ዘሎ ግብራዊ ምስታፍ እንዳ ሓየለ የመጽእ ከምዘሎ መብርሂ ሂቡ፡ እዚ ኽኣ  ውፍይነት  ምእንቲ  ድሕነት ሃገርና ዘለና ዝሕብር ኢዩ ክብል ገሊጹ፡ ፡ ቀጺሉ ኣብ ዘስመዖ ቃል ንተሳተፍቲ   ኣብ  ፖለቲካዊ ቃልስና ብተዕግስትን  ቁሩብነትን ብኹሉ ዓቅሞም ውፍያት ክኸኑ  ከምዘለዎም ኣስፊሑ መግለጺ ሂቡ።   ብወገኖም ሓለፍቲ ክፍሊ ዜናን  ቤት/ጽሕፈት ቁጠባን  ስልፊ ናህዳ ኤርትራ ካብ ዘስምዕዎ መግለጺ፡  ከምዚ  ዓይነት ሰሚናር  ኣገዳሰነቱ ዓቢ ኢዩ ድሕሪ ምባሎም፡ እዞም ቀሪቦም ዘለዎ ናይ ሰሚናር መደባት ሞርኩስ ብምግባር ኩሉ ኣባል ዘለዎ ሓሳብ ብናጻ  ከቅርብ  ከምዘለዎ ድሕሪ ምሕባሮም ፡ እቲ  ካብ ኣባላት ዝቅርብ ሓሳባት ንመሪሕነት ሰልፊ ብዝበለጽን  ዝማዕበለን ንሕንጻጻት ሰልፊ ንምዕዋት ዓቢ ሓገዝ ምዃኑ  ገሊጾም ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ነዚ ብመሪሕነት ስልፊ ዝካየድ ሰሚናር  ንኹሉ ኣባላት ናይ  ምስታፍን   ብዝተገበረሎም ናይ ናጻ ኮይንካ ሓሳብካ ምቅራብ  ድሕሪ  ምምስጋን  ፡ ከምዚ  ዓይነት ሰሚናር ብቀጻሊ ክካየድ ተላቢዮም ፡ ሰልፍና ክነዕውት ዝጽበየና  ዘሎ ኩሉ ዕማማት  ክንገጥም  ድልዋት ኢና ክብሉ ኣረጋጊጾም ::             

  ቀጺሉ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ መሃንድስ ኑር እድሪስ ብሽም ስዉእ ሼኽ መሓመድ ጀውሃር ሓጎስ ዝተሰመየ  ሽድሽተ ውርሒ ዝወሰደ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፡ ነዞም ኣብዚ ኮርስ ዝተሳተፉ  20 ኣባላት ናይ ምስክር ወረቀት ዓዲሉ፡ ክምኡ”ውን ነቶም ነዚ ኮርስ ንምዕዋት ጻዕሪ ዝካየዱ መምህራን ናይ ምስጋና ወረቀት ሂቡ፡ ፡                  

ኣብ  ምዝዛም  ሰሚናር ተሳተፍቲ  ድሕሪ እቲ ጨንፈሮም  ህላውነት ናይ ኣባላት ካድር  ምርግጋጽ   ሕጂ”ውን ብዚያዳ ብቁጠባ ንምሕያል ብኹሉ  ዓቅሞም   እቲ ካብኦም ዝድለ  ከማልኡ ተሰማሚዖም::     

    

ክፍሊ ዜና

ስልፊ ናህዳ ኤርትራ

09/07/2011

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5328

Posted by on Jul 11 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net