ብሽማግለ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ኤዲኪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተዳለወ ሰሚናር ሰነዳት ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንክትዕ ወሪዱ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሽማግለ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ኤዲኪ ዝተዳለወ ክልተ መዓልቲ ዝወሰደ ሰሚናር ብርክት ዝበሉ ካድራት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ)፡ ተሓጋገዝቲ ህዝባዊ ሽማግለ ኮምሽን፡ ወከልቲ ሰደተኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፍዎ ምክያዱ ተሓቢሩ። እቲ ብዕለት 09ን 10ን ሓምለ 2011 ዝተሰላሰለ ሰሚናር ሓላፊ ሽማግለ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ኤዲኪ ተጋ/ሓጅ ዓብደኑር ይመርሖ ምንባሩ፡ ኣብ ውዕሎ ቀዳማይ መዓልቲ ኤዲኪ ኣብ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጻወቶ ዘሎ ንጥፈታት ክዝቲ ከሎ፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምዝታዩ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ የረድእ።

ኣብዚ ሰሚናር’ዚ ሓላፊ ሽማግለ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ኤዲኪ ተጋ/ ሓጅ ዓብደልኑር፡ ንአቦ-ወንበር ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኮምሽን ዓሊ መሓመድ ስዒድን ንአቦ-ወንበር ሽማግለ ውደባን መሓመድ ሳልሕ ኣቡበከርን ብድሕሪ ምልላይ ከም መእተዊ ጽማቕ ናይቲ ሰነዳት ክህቡ ዕድል ከፈተ። ንሳቶ’ውን ብወገኖም ነቲ ዕውት ሰሚናር ዘዳለወ ሽማግለ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ኤዲኪ ልዑል መልእኽቲ ምስጋና ብድሕሪ ምቕራብ ንተሳተፍቲ’ውን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል፡ ብሓጺሩ ዝርዝራዊ መብርሂ ብዛዕባ አመጻጽአ ዋዕላን ውጺኢቱን፡ ንጥፈታት ኮምሽንን ዛጊት መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ሓቢሮም።

ቀጺሉ አቦ-ወንበር ፖሎቲካዊ ሽማግለ ዓሊ መሓመድ ስዒድ ጽማቕ ናይቶም ብኮምሽን ዝተዳለዉ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ማለት፡ ንድፍታት ሃገራዊ ፖለቲካዊ ቻርተር፡ መሪሕ ሓሳብ (Road Map)፡ ሕገ ህንጻ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶን ስፊሕ መብርሂ ሂቡ፡፡ ብድሕሪ እቲ መግለጺ ተሳተፍቲ ብወገኖም ዝተፈላለየ ሕቶታት ድሕሪ ምሕታት፡ ኮምሽነራት ኣብቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ሂቦም፡፡ ተሳተፍቲ ብወገኖም ሃገራዊ ኮምሽን ንዘሳልጦም ዘሎ ንጡፍ ዕዮታት ብምምስጋን፡ ብህዱእ መንፈስ፡ ዓቢ ሓላፍነትን ግሉጽነትን ንልዕሊ 7 ስዓት ዝኣኽል ኣዝዩ ውዕዉዕ ክትዓት ብምክያድ፡ ነቲ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ንምህብታም ዝሕግዙ ሃነጽቲ መማረጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ምቕራቦም እቲ ዝመጸና ሓበሬታ የረጋግጽ። ዝርዝር ውጽኢት ናይቲ ዕዉት ሰሚናር ሓበሬታ ምስ መጸና ክዝርጋሕ ምዃኑ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ እቲ ተሪፉ ዘሎ ፖሎቲካዊ ሰነድ ማለት ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ብተመሳሳሊ መድረኽ ክትዕ ክካየደሉ ምዃኑ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ዜና ኣረዲኡ።   

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሽማግለ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ኤዲኪ ንመንፈስን ትሕዝቶን ሰነዳት ሃገራዊ ጉባኤ ንምህብታም ከምዚ ዓይነት ሰሚናር ብምድላዉ ንዘተን ክትዕን ምቕራቡ ልዑል ምስጋናኡ ብድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ተበግሶ’ዚ ዓይነታዊ ለውጢ ንምምዝጋብ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ የረጋግጽ። እዚ ብሽማግለ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ኤዲኪ ዝተወስደ ተበግሶ ሓደ ብኣብነት ዝግለጽ ምዃኑ ብድሕሪ ምርግጋጽ ኩሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ንፖሎቲካዊ ሰነዳት ንምድንፋዕን ሕብሪ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ተመሳሳሊ ሃገራዊ እጃሞም ክጻወቱን፡ ኩሉ ዓቕምታቶም ከበርክቱን ድማ ጻውዒቱ የቕርብ። ከምኡ’ውን ህዝብና ኣብ ምይይጥ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ዘርእዮ ዘሎ ዓቢ ተገዳስነትን ተሳታፍነትን፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ዘካይዶ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ዘይሕለል ቃልስን ምትሕብባርን ሞጎሱ ብምቕራብ ቀጻልነቱ ክርኢ ዘለዎ ትምኒት ይገልጽ፡፡

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኩሎም ግዱሳት ዜጋታት ነቶም ፖሎቲካዊ ሰነዳት ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኮምሽን www.encdc.com  ክረኽብዎም ከም ዝኽእሉ ብድሕሪ ምሕባር፡ ኣብቲ ሰነዳት ክቐርቡ ዝኽእሉ ሃነጽቲ መማረጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ለበዋታትን በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢ-መይል (politicalcomm10@gmail.com) ክቕበል ድልዉ ምህላዉ የረጋግጽ።

መተሓሳሰቢ እዚ መአረምታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ12 ሓምለ 2011 ዝተዘርግሐ ዜና ምዃኑ እናረጋገጽና ንስለ እቲ ዘጋጠመ ጌጋ ይቅሬታ ንሓትት፡፡

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

 ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

19 ሓምለ 2011

www.encdc.com

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5394

Posted by on Jul 20 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net