ሰነዳት ሃገራዊ ጉባኤ ብቋንቋ ኩናማ ተተርጒሙ!!

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብምትሕግጋዝን ምውህሃድን ደምሓኩኤን ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽንን ጉዱሳት ባእታታት ተወለድቲ ብሄር ኩናማን ብዝተወስደ ኣብነታዊ ተበግሶታትን ብርቱዕ ጻዕርታትን እቶም ኣርባዕተ ንድፊ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብቋንቋ ኩናማ ብድሕሪ ምትርጓም ኮምሽን ተረኺብዎም ምህላው ይሕብር።

እቶም ብቋንቋ ኩናማ ተቶርጊሞም ንኮምሽን ዝተረኸቡ ኣርባዕተ ንድፊ ፖለቲካዊ  ሰነዳት እዞም ዝስዕቡ’ዮም።

  1. ንድፊ  ፖሎቲካዊ ቻርተር ሃገራዊ መሰጋገሪ ባይቶ
  2. ንድፊ መሪሕ ሓሳብ (Road Map)
  3. ንድፊ ሕገ ህንጻ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ
  4. ንድፊ መሰጋገሪ  ቅዋም ሃገረ ኤርትራ

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሳዊ ለውጢ ነዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ኣርባዕተ ንድፊ ፖለቲካዊ ሰነዳት ናብ ህዝቢ ብቋንቋ ትግርኛን ዓረብኛን ምዝርግሑ ይፍልጥ፡፡ ብተወሳኺ’ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ተቶርጒሞም ክዝርግሑ ኮምሽን ዘይሕለል ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ይርኸብ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ልዕሊኡ ብቋንቋ ኩናማ ምትርጓሞም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዝርኸብ ህዝቢ ኩናማ ብግቡእ ብቋንቋኡ ተካቲዑን ተረዲኡን ኣብ መስርሕ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ እጃሙ ንክጻወት ዝሕግዝ ሰናይ ተበግሶ’ዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ነቶም ኩሉ ግዚኦምን ጉልበቶምን ኣጥፊኦም ብተወፋይነት ነዚ ሰናይ ተበግሶ’ዚ ዕውት ዝገበሩ፡ ደምሓኩኤ፡ ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽንን ግዱሳት ባእታታት ተወለድቲ ብሄረ ኩናማን ዝለዓለ ናእድኡ እናገለጸ፡ መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብተመሳሳሊ ነዚ ኣብነታዊ ተበግሶ’ዚ ክስዕቡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ይጽውዕ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሳዊ ለውጢ ኣብቲ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ህዝብና ዘርእዮ ዘሎ ዓቢ ተገዳስነትን ተሳታፍነትን፡ እቲ ዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤ ሕብሪ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ዓይነታዊ ለውጢ ንምምዝጋብ፡ ዘካይዶ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቃልስን ምትሕብባርን የሞጉስ። መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ ሰነዳት ንምድንፋዕን መስርሕ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ብክንድ’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ንምዕዋትን ዝለዓለ ሃገራዊ እጃሞም ክጻወቱን ኩሉ ዓቕምታቶም ከበርክቱን ይምሕጸን።  

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኩሎም ግዱሳት ዜጋታት ነቶም ፖሎቲካዊ ሰነዳት ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኮምሽን www.encdc.com  ክረኽብዎም ከም ዝኽእሉ ብድሕሪ ምሕባር፡ ኣብቲ ሰነዳት ዝቐርቡ ሃነጽቲ መማረጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ለበዋታትን በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢ-መይል (politicalcomm10@gmail.com) ክቕበል ድልዉ ምህላዉ ኮምሽን የረጋግጽ።

 

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

 ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

21 ሓምለ 2011

www.encdc.com

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5430

Posted by on Jul 23 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net