ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝኽተልዎ ዘለዉ ፖሊስታት ዝምስገን’ዩ

ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ዝኣኽል መሪር ብረታዊ ተጋድሎን ኣካይዱን ከቢድ መስዋእትነት ከፍሉን፡ ዋላ’ኳ ሃገራዊ ነጻነቱ ከረጋግጽ እንተኸኣለ፡ ፍረ ጻምኡ ግን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ንሓድሽ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጭቆና ደቂ ሃገር ክወድቕ ተገዲዱ’ዩ። ብስንኪ’ዚ ከኣ ዘይተኣደነ ኣደራዕ ብምስካም ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ብኣማኢት አሽሓት ዝቁጸሩ ዜጋታት ብፍላይ ከኣ እቶም ተረኸብቲ ሃገርን ሓይሊ ለውጥን ዝኾኑ መንእሰያት ኤርትራ ንዳግማይ ስደት ክውሕዙ ብምቕሳብ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ መደበራት ሰደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ይነብሩ ምህላዎም ካብ ማንም ዝተሰወረ ክውንነት ኣይኮነን።

ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ካብዚ መሪር ክውንነት’ዚ ብምብጋስ፡  ኣብ ጎኒ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ንምሕጋዙ ዘለዎም ሰናይ ድሌት ብምርግጋጽ ብቀጻሊ ነቶም ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ምትእንጋድ ሓሊፉ ብክንድ’ቲ ዓቕሚ ዘፍቕዶ ብግብሪ ንምሕጋዝም ብግብሪ ዝኽተልዎ ዘለው ፖሊስታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ልዑል ናእድኡ ይገልጽ፡፡ 

ገለ ካብቶም ፖሊስታቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ማዓስከር ወጺኦም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ከም ኩሉ ሰብ ክነብሩን ሰሪሖም ማሕበራዊ መነባብርኦም ክመርሑን ምፍቓዱ ዝፍለጥ’ዩ። ምስዚ ብምዝማድ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ንመወዳእታ ዘይብሉ ኣጀንዳ ህግደፍን ንግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን ከገልግሉ ዕሸል ዕድሚኦም ተመንዚዑ ዕድል ትምህርቶም ጸልሚቱ ኣብ መደበር ስደተኛታት ክነብሩ ዝተገደዱ መንእሰያት ኤርትራ ንምሕጋዝ ንልዕሊ 300 ዝኾኑ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ነጻ ዕድል ትምህርቲ ምፍቓዱ ዝዝኸር’ዩ፡፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ከኣ ነዚ ቁጽሪ’ዚ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ብምባል ንልዕሊ 700 ዝኾኑ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ነጻ ትምህርቲ ከፍቕድ ምዃኑ ምግላጹ ክነኣድ ዝግብኦ ሰናይ ፖሊሲ ብምዃኑ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን መንእሰይ ኤርትራ ዘለዎም ጸገማት ብምግንዛብ ካብኡ ንላዕሊ ክዛይድ ትምኒቱ ይገልጽ።

ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ኣብ መደበር ስደተኛታት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ዝተፈላለየ ኣጸጋሚ ኩነታት ብምግንዛብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምስግጋር ዝሰፍሐ ዕድል ንምርካብ ከካይዶ ዝጸንሐ ዘይሕለል ጻዕርታት ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ሕጂ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ’ዚ ደጋጊሙ ብዝበለጸ ክደፍኣሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ጻዕርታት’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ቅኑዕ ኣጠማምታን ንኤርትራውያን ኣብ ሽግራቶም ንምሕጋዝ ዘካይዶ ዘሎ ሕውነታዊ ጻዕርታትን ዘነጽር’ዩ።

ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ብሓፈሻ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ከኣ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ንዘካይዶ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ጻዕርታት ብፍላይ ብክንድ’ቲ ዓቕምታቱ ዘፍቕዶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሕግዝ ምዃኑ ደጊሙ ሕጂ’ውን ኣፍሊጡ ኣሎ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ሕቶን ወጽዓን ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ንዝምድና ክልቲኡ ኣህዛብ ኣብ ንቡር ቦታኡ ንምምላስ ንዝኽተሎ ዘሎ ፖሊስን ዝገብሮ ዘሎ ሕውነታዊ ሓገዛትን ልዑል ናእድኡ ይገልጽ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ዝምድና ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወትሩ ህያው ኮይኑ ክነብር ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ እናኣረጋገጸ፡ ብስም ህዝቢ ኤርትራ፡ ስደተኛታት ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ብስም ተመሃሮ ኤርትራ ምስጋንኡ የቕርብ።

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ዝምድና ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወትሩ ህያው ክኸውን’ዩ!!

 

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

21 ሓምለ 2011

www.encdc.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5434

Posted by on Jul 23 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net