ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ቅጥዒታት ሃገራዊ ጉባኤ ከማልኡ ይግባእ

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብመንፈስን ወሳኔን ሃገራዊ ዋዕላ ሓደ ካብቲ ዝተሰከሞ ረዚን ህዝባዊ ሓደራ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምዝጋብ ንኩሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዘይዝኾነ ኣፈላላይ ዘሳትፍን ብግብሪ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ’ውን መላእ ህዝቢ ዝዋስኣሉ ሃገራዊ ጉባኤ ምግባእ’ዩ።

 

ካብዚ ጽኑዕ እምነት’ዚ ብምብጋስ ከኣ ተሳትፎ ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ንምውሓስን፡ ሕጋውነት ናይቲ መስርሕ ንምርግጋጽን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝተፈላለየ ቅጥዕታት ተሳትፎ (Form) ብምድላው ብ09 ግንቦትን ብ02 ሰነን 2011 ከምኡ’ውን ን3ይ ግዜን ናይ መወዳእታን ብ20 ሓምለ 2011 አብ መርበብ ሓበሬታታት ምዝርግሑ ይዝኸር፡፡ እቶም ዝተዘርግሑ ቅጥዕታት ተሳትፎ ሃገራዊ ጉባኤ እዞም ዝስዕቡ ምዃኖም ይፍለጥ፡፡

 

ተ.ቁ ስም ቅጥዒ ተሳትፎ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ  ትግርኛ ዓረብ
1 ቅጥዒ ውልቃዊ ተሳትፎ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ
2 ቅጥዒ ፖሎቲካዊ ውድብ ተሳትፎ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ
3 ቅጥዒ በርጌሳዊ ማሕበር ተሳትፎ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ
እዚ ቅጥዒ’ዚ ንኩሎም ፖሎቲካዊ ሓይልታት ይኹን ዘይፖሎቲካዊ ማሕበራትን ባእታታትን ዝምልከት’ዩ።

 

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ቅጥዕታት’ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዕማሙ ኣብ ግዚኡ ንምድላው፡ ተሳትፎን ብጽሒትን መላእ ህዝብን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ብኣግኡ ንምልላይን ንምውጋንን ህጹጽ ወይ ኣገዳሲ ዕማም ምዃኑ የፍልጥ። ስለዝኾነ ኩሎም እቶም ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ቅጥዕታት ዘይመልኡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣገዳስነትን ህጹጽነትን ናይቲ ዕማም ብግቡእ ብምርዳእ ብዝቀልጠፈ እዋን መሊኦም በቲ ኣብ ቅጥዒታት ዝተነጸረ ኣድራሻታት ክስድዎ በዚ አጋጣሚ’ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብትሕትና ይሓትት፡፡

 

እቶም ቅጥዒታት ዘይረኸቡ ንዝተፈላለየ መርበብ ሓበሬታታት፡ ወይ’ውን ንዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን www.encdc.com ክውኸሱ ከምዝኽእሉ ንሕብር። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን መወዳእታ ቅጥዕታት ዝቕበለሉ ዕለት 05 ነሐሰ 2011 ምዃኑ ብኣግኡ እናዘኻኸረ፡ ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ነዚ ሰናይ መዝካክሪ’ዚ ከም ጽቡቕ ዕድል ብምጥቓም፡ ኩሉ’ቲ ካብኦም ዝጥለብ ዘበለ ከማልኡ ይምሕጸን።

 

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

አብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

 ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

28 ሓምለ 2011

www.encdc.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5484

Posted by on Aug 2 2011 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net