ኤ/ሀ/ኮ/ደ/ለ ኣብ ርያድ ምስ ህዝቢ ርክብ የካይድ

ተሓጋግዚት ሽማግለ ኤ/ሀ/ኮ/ደ/ለ  ጨንፈር ርያድ ብሓሙስ  ዕለት 28/7/2011 ንኤርትራውያን ተቐማጦ ርያድን ከበቢኣን  ኣብዞም ዝሰዕቡ ነጥብታት ዘተኮረ ሓፈሻዊ ምብርሂ ሂባ።

  • መልእኽቲ ኤ/ሀ/ኮ/ደ/ለ
  • መስርሕ ምድላው ንጉባኤ
  • ንጉባኤ ገንዘባዊ ምወላ ምግባር ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ምኻኑ
  • ኣገዳስነት ልዝብን ሓሳብካ ምሃብን  ኣብ ልዕሊ እቶም ንጉባኤ ዝቐርቡ ፖለቲካዊ ወረቓቅቲ
  • ሃገራዊ ጉባኤ ምክያዱን ብዓወት ከምዝዛዘም ምግባሩን ሓላፍነት  ኩሉ  ለውጢ ዝደልይ ኤርትራዊ ምኻኑ ፣ ዝብሉ ነጥብታት ዝሓዘለ መብርሂ ተዋሂቡ።

እቲ ዝቐረበ መብርሂ ብወከልቲ ኤ/ሀ/ኮ/ደ/ለ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣቶ ዓብደላ ሓዞትን ፣ ተሓጋጋዚኡ ኣቶ መሓመድ ሳልሕን  ክኸውን እንከሎ ፣ ህዝቢ ብወገኑ በቲ ዝተወሃበ መብርሂ ዕግበቱ ብምግላጽ ፣ ዝተፈላለየ ርእይቶ ብምሃብን  ዘይበርሃሉ ነጥብታት ብምሕታትን  ነቲ ምሸት ኣድሚቕዎ ኣምስዩ ። ብምቕጻል ኤ/ሀ/ኮ/ደ/ለ ከምዚ ዝበለ ርክብ ምስ ህዝቢ ምክያዱ ድሕሪ ምምስጋኖም ከምዚ ዝኣመሰለ ርክባት ክበዝሕ ከምዘለዎ ለበዋኦም እናመሓላለፉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም ።

ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ መደብ ኣቦወንበር ተሓጋጋዚት ሽማግለ ንተሳተፍቲ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፣ ብዛዕባ ተሓጋጋዚት ሽማግለን ዝሰርሐቶም ስረሓትን ናይ መጻኢ መዳባታን ሓጺር መብርሂ ሂቡ ፣ ቐጺሉ ውን ኣገዳስነት ተሳትፎ ህዝቢ ብዝምልከት መልእኽቲ ናይ ኮሚሽን ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ምብጻሕ ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ምኳኑ ብምግላጽ፣ ንተሳተፍቲ ዝተገብረሎም ዕድመ ኣኽቢሮም ብምምጽኦ ኣመስጊኑ።

 

 

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ማእከላይ ምብራቕ

29/7/2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5490

Posted by on Aug 3 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net