አገዳሲ ህዝባዊ ሓቤረታ ..!! ዘተ ምስ ክቡር ሓው ኡስታዝ ዓሊ መሓመድ ስዒድ ኣቦ-ወንበር ሽማግለ ክፍሊ ፖለቲካ ሃገራዊ ኮምሽን መሳርሕቱን።

ዝኸበርክምን/ክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልዑል ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም/ክን።

ብምቅጻል ከምቲ ልሙድ ንዓርቢ 5 ነሃሰ (August), 2011,  ክቡር ሓው ኡስታዝ ዓሊ መሓመድ ስዒድ ኣቦ-ወንበር ሽማግለ ክፍሊ ፖሎቲካ ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ብጾቱ፡ ኣጋይሽ ናይ “Eritrean room for united and strong opposition“ ኮይኑም ከምስዪ፡ አብ (Paltalk)፡ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና። እዛ room እዚአ እትኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ማእከላይ አውሮፓ አቖጻጽራ፡ ሰዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መደረ ጋሻና ዝጅምረሉ ግዜ ግን፡ ሰዓት 21፡00 እዩ።

እቲ ቀንዲ ናብዚ መራኸቢ ብዙሓን ፓልቶክ ንኽቡር ሓዉና ኡስታዝ ዓሊ መሓመድ ሽዒድን ብጾቱን ንኽመጹ ዝዓደምናሉ ምኽንያት እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ ንድፊ ሓሳብ ፖሎቲካዊ ቻርተርን መምርሒ ካርታን (Road Map) ምስ ሕዝቢ ንምምያን ምዝታይን እዮ።

 

ስለዚ ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን፡ ደቂ ሃገር፡ እዚ ከምዚ ዝአመሰለ እዋናዊ ዝኾነ ዛዕባ ከይሓልፈኩም/ክን፡ ምሳና ክተምስዩ/ያ፡ ንኹሉኹም/ልኽን ደቂ ሃገር፡ ብኽብሪ ንዕድም።

 

ብዳሓን ምጽኡ።

 

ካብ ኤርትራውያን፡ አባላት ዝተፈላለያ ውድባትን፤ በርገሳዊ ማሕበራትን፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፡ አብ መራኸቢ ብዙሓን (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፡ ከምኡ’ውን ከም ተቓወምቲ መጠን፡ ብአግባብ አቓላልሳና እንማያየጥን አንዛተን ደቂ ሃገር። erfsauo@yahoo.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5528

Posted by on Aug 5 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net