ርሑስ ባዓል ዒድ አልፈጥር

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ንባዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብጽሓኩም ይብል። ባዓል ዒድ ኣልፈጥር ንህዝቢ ኤርትራ ባዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንካርን ክጽዕሩ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ብምድጋፍ፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ደው ክብሉን ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱን ይጽውዕ።

 

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

አብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

29 ነሓሰ 2011

www.encdc.com

 ————————

ማሕበር ከቢረ ንረዲኤትን ልምዓትን-ጨንፈር ብሪጣንያ

KEBIRE FOUNDATION FOR RELIEF & DEVELOPMENT- UK

 

Charity No. 1121044

((( ርሑስ ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ )))

 

ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ፡ ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ ንረዲኤትን ልምዓትን ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣመንቲ እስልምና ኤርትራውያን ብፍላይ፡ ንኹሎም ኤርትራዉያን ድማ ብሓፈሻ እንቋዕ ኣብዚ ኣብቃዓኩም እንዳበልና ጽቡቕ ምንዮታትና ንገልጸልኩም።

 

 

: kebireuk@gmail.com  , www.kebirerelief.org

                             

:

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5654

Posted by on Sep 1 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net