ሰልፊ ናህዳ ንዒድ ኣልፈጥር ብኽብ ዝበለ ስነስርዓት ኣብዒሉዎ

ኣብ’ቲ  ኣብ ከተማ ርያድብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ዕለት 2/9/2011 ዝተገብረ ዓቢ በዓል ፣ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ናህዳን ቤተሰቦምን ፣ ዓበይቲ ዓዲን ፣ ገዳይም ሓርበኛታትን ፣  ኣንስትን ፣ ቆልዑን ፣ መንእሰያትን  ኣብ’ቲ ቦታ ተረኺቦም  ብኽብ ዝበለ ስነስርዓት ኣብዒሎሞ ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ውን በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምስ ዝኽሪ ዕለተ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራን ምስ ዕለተ ምምስራት ሰልፊ ናህዳን ሓቢሩ ብምውዓሉ ነቲ ኣጋጣሚ ዝያዳ ድምቀት ሂቡዎ ኣምስዩ ።

ኣብ’ቲ ናይ መኽፈቲ  ስነስርዓት ብመጀመርያ  ቁርኣን ኣልከሪም ድሕሪ  ምስማዕ  ፣ ስዒቡ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ  ንዕዱማት እንኳዕ ደሓን ማጻእኩም  ድሕሪ ምባል ሓጺር መደረ ኣስሚዑ ። ንሱ ኣብ መደረኡ  ኣገዳስነት እዚ በዓል ክጠቕስ እንከሎ ፡ እዚ በዓል’ዚ  ኣብ ርእሲ’ቲ ንሱ ዝፈጠሮ ናይ የውሃና  ምልውዋጥን  ናይ ሓጎስ መንፈስን ፡ ኣብ ህሉው ሓፈሻዊ  ኩናታትናን ፣ኩናታት ሃገርናን ክንዝትይ ዕድል ዝከፈተ ምኳኑ ጠቒሱ ፡ ኣብ መወዳእታ ውን ነቲ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ዝጋባእ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋቱ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነት ክስከም ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ቀጺሉ ሓላፊ ሰልፊ ናህዳ ጨንፈር ርያድ ንኣቦ መንበር ሰልፊ ናህዳ ኢንጂነር ኑር መሓመድ እድሪስን ፣ ካብ ደገ ንዝመጹ ኣጋይሽን፣ ዕዱማትን  እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል ፣ ንዝተገብረሎም ዕድመ ኣኽቢሮም ብምምጽኦም ኣመስጊኑ  ፡ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ በዓላት ውን ስለ’ቲ ጻዕሮም ንኢዱ ። ብምቕጻል ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ሓሳባትን፣  ርእይቶን  ኣብ ምቅራብ ሃናጺ ተራ ክጻወቱ ከም ዘለዎም ንዕዱማት ኣዘኻኺሩ። ቀጺሉውን ናብ’ቲ ኣብ ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓንቐጽ ቁጽሪ 46 ሰፊሩ ዘሎ ብምምልካት ፣ እቲ ኣብ’ኡ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፍ ንመሰል ብሄራት ዝገልጽ ኣኳ እንተኾነ ዝርዝር ኣስማት ብሄራት ኤርትራ ብዘይ ምስማዩ ግን ካብ’ቲ ኣዕናዊ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ብሄራት ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ብፍላይ እኳ ደኣ ንብሄር ጀበርቲ ዓምጺጹ ብሓይሊ ኣብ ትግርኛ ንምውታፍ ዝኽተሎ ጥበብ ፈሊና ስለዘይንርእዮ ፣ እታ ዓንቐጽ ዝርዝራዊት ብዘይምኳናን ናይ መጻኢ ሓደጋ እተተንብህ ብምኳናን ፣ ስጋብ ብንጹር እትቕመጥ እታ ዓንቐጽ ከምዘላታ ከምዘይንቕበላን፣ እዚ ኣገባብ’ዚ ብደቂ ጀበርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ተቀባልነት ከምዘይብሉን በቲ ኣጋጣሚ ኣፍሊጡ።

 

ስዒቡ መደረ ዘስመዔ ኣቦመንበር ሰልፊ ናህዳ ኢንጂነር ኑር ክኸውን እንከሎ ንሱ ኣብ መደረኡ ብዛዕባ ህሉው ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኩነታትን ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኪዳን ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ዝሰግሮም ዘሎ መድረኻትን ድሕሪ ምግላጽ ፣ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብሓለፍቲ ውድባትን ሰልፊታትን ዝተኻየደ ሰሚናር

ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ኣብ ምውጋድን ኣብ ኣኬበኛታት ናይ ምርድዳእ መንፈስ ኣብ ምስፋንን ዓቢ ተራ ክጻወት ከምዝኸኣለ ድሕሪ ምግላጽ  ኣብ ዝመጸእ ውን ነዚ ሰሚናር ምርኩስ ዝገበረ ንምሁራትን ሰብ ተሞክሮን ዝጥርንፍ ካልኣይ ሰሚናር ኪግበር ምኳኑ ኣተንቢሁ።

 

ድሒሩ ሓላፊ ዜናዊ ጉዳያት ሰልፊ ናህዳ ኣገዳስነት ሱታፌ ህዝቢ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክገልጽ እንከሎ ፣ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኑ  ሃገራዊ ዋዕላ ንመዕዋት ክሰርሕ ከምዘለዎ ብምትሕስሳብ ፣ ብፍላይ ደቂ ጀበርቲ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል ብምጥቃም ንመሰሎምን ፣ ምእንቲ ሃገራዊ ሓድነቶምን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ብምጽዋዕ ፣  ኩሉ ኤርትራዊ መመሰሉ ንኽወስድ ምስምማዕ ንመዕዋት ሃገራዊ ዋዕላን፣ ለውጢን ምምጻእን ውሕስነት ዝህብ ምኳኑ ኣስሚሩሉ።  

 

ሰዒቡ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ኣብ ርእይቶኦም ፡ ህዝቢ ካብ’ዚ ዘለዎ ናይ መግዛእቲ ዓዘቕቲ መታን ኪወጽእ ተገዲሱን ሓቢሩን ክሰርሕ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፖለቲካውያን ውድባት ይኹን ኣብ ሰልፍታት ዘለዉ ሓለፍቲ  ፍልልያቶም ኣወጊዶም ኣበርቲዖም ብሓባር ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ክሰርሑ ከምዘለዎም ብምዝኽኻር ሓላፍነት ኣሰኪሞም። ኣኼበኛታት ብወገኖም  ሃገራዊ ዋዕላ ንመዕዋት ኩሉ ዘድልይ ዘበለ ክገብሩ ምኳኖም ቃል ብምእታው ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ብሄር ጀበርቲ ብዝምልከት ሓቀኛ ደገፉ ክገብር ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።

 

ኣብ መውዳእታ ዕዱማት ነቶም መሪር መግዛእታዊ ሂወት ዘሕልፉ ዝነብሩ ሳላ ሕብረቶምን ቃልሶምን ናጻ ዝወጹ ኣሕዋት ህዝቢ ግብጺ፣ ቱኒዝያ፣ ሊብያን እንኳዕ ኣብዚ ኣብቃዓኩም እናበሉ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ውን ዝመጽእ ዒድ ኣብ ሃገሩ ካብ ኣርዑት ኢሳያስ ተናጊፉ ናጻ ኮይኑ ብሰላምን ቅሳነትን ንኸብዕላ ትምኒቶም ገሊጾም።

 

 

ክፍሊ ዜናዊ ጉዳያት  3/9/2011

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5699

Posted by on Sep 6 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net