ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ጊዘን ሃገር ጀርመን

ንሰንበት ዕለት 2 ጥቅምቲ 2011 ኣንጻር‘ቲ ሕሱም ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ኢዩ። ተቓውሞና እነካይደሉ ኣብ ፊት ኤክስፖ (መሰ Messe Giessen) ከተማ ጊሰን ሰዓት 4 ድ.ቀ. (16) ክጀምር ምዃኑ ንኵሎም ግዱሳት ኣሕትን ኣሕዋትን ብኽብሪ ነፍልጥ።

 

 

ዲክታቶርያውያን ገዛእቲ ህግደፍ፡ ብዙሓት ደገፍቲ ከምዘለዉዎም ንምምሳል ዘይተጠቕምዎ ብልሓታት ከም ዘይህሉ ከም እትፈልጥዎ፡ ንዚኵሉ ተግባራት ብምፍሻልን ኣብ ጐኒ‘ቲ ዝጭቘንን ዝግፋዕን ዘሎ ኤርትራዊ ሎሚ‘ውን ከም ቀደም ቃልስና ዝነዓቕ ከም ዘይኰን ንምርኣይን ናይ ቃልሲ ሸውሃትን ሞራልን ህዝብና ከም ዝዓዝዝ ንምግባርን፡ ከካብ ዘሎናዮ ብብዝሒ ከም ንመጽእ ንምግባር ተዓጢቕክንን ተዓጢቕኩምን ከም ዘሎኻትኩም ንኣምን።

 

 

ካብ‘ዚ ብምንቃል ድማ ነፍሲ ወከፍና፡ ተቓውሞና ንምስማዕ ካብ ዘዘሎናዮ ከተማታትን ዓድታትን ኣቓልቦናን መደብናን ናብ An der Hessenhalle 11, 35398 Gießen ንምምጻእ ክኸውን ንላቦ።

 

ንዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ኣብ ስልኪ ቍጽታት

 

+ 49 (0) 175 1857 463

+ 49 (0) 157 2599 572      ተወከሱ።

 

 

ሽማግለ  ሰላማዊ ሰልፊ

 

 

 

ሃገር ጀርመን 26.09.2011

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5816

Posted by on Sep 27 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net