ጋዜጣዊ መግለጺ ንምንጻር ግዜ ምግባእ ሃገራዊ ጉባኤ ዝምልከት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብውሳኔ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ መሰረት ሃገራዊ ጉባኤ ዝጋብኣሉ ግዜ ኣብ መጨርሻ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ክኸውን ምውሳኑ ዝፍለጥ’ዩ፡፡ በዚ መሰረት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኹሉ ምድላዋትን ምቅርራባትን ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ነቲ ብዙሕ ተስፋን ትጽቢትን ተግይርሉ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ 22-31 ጥቅምቲ 2011 (22 – 31 October, 2011) ኣብ ኢትዮጵያ ክጋባእ ምውሳኑ ንኩሉ ደላይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከብስር ይፈቱ፡፡

 

 

ኣብዚ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢን ተሓጋግዝቲ ሽማግለታት ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ተሪፉና  ዘሎ መስርሕ ምድላዋት ከነጻፍፍን  ቅሩብነትና ከነረጋግጽ ንላቦ።   ኩሉ ዓቕምታቶም ብምውህሃድ፡ ንመትከል ርእሰ ምርኮሳ ክዉን ንምግባር ኩሉ ዘይተሓለለ ጻዕርታቶም ከካይዱ ሃገራዊ ኮምሽን ጽውዒቱ የቅርብ።

 

ርእሰ ምርኮሳ ጋህዲ ብምግባር፡ ሓባራዊ ትልሚ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኩሉ ዓቕምታቱ ዝፍቕዶ ህጹጽ ቍጠባዊ ሓገዝ ከበርክት ሃገራዊ ኮምሽን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ይጽውዕ፡፡ እቲ ዝብርከት ቁጠባዊ ሓገዝ አብ ክባቢኩም ንዘለዉ ኮምሽነራት ወይ ተሓጋገዝቲ ህዝባዊ ሽማግለታት ክወሃብ ወይ’ውን አብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኮምሽን www.encdc.com ብቀጥታ ወፈያኩም ክትስዱ ከምትኽእሉ ይሕብር፡፡

 

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

 

ፈጻሚ ኣካል

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

29 መስከረም 2011

WWW.ENCDC.COM

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5856

Posted by on Oct 2 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net