ካብቶም 365 ብመንግስቲ ሱዳን ኣብ ሽማሊያ ፍሉይ ስሙ ድንጓላ ዝባሃል ቦታ ተኣሲሮም ካብ ዘሎዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት 5 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተጨዉዮም ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ኣስታት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ምስ ዘይሕጋዉያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ብሔረ ራሻይዳ እንዳተጓዕዙ እንከለዉ ምስ ፖሊስ ሱዳን ተኹሲ ድሕሪ ምልዉዋጥ፡ ብመንግስቲ ሱዳን ተታሒዞም ህጹጽ ሓገዝን ረድኤት ድሕነትን ዝጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራዉያን ሕጂ እዉን ኩነታቶም ኣብ ዘሻቕል ደረጃ  ከምዝርከብ ሎሚ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ብቐጥታ ካብቶም እሱራት ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ፡  ዛጊት ሓሙሽተ ደቂተባዕትዮ ካብቲ ቦታ ብስርዓት ህግደፍ ሓይልታት ጸጥታ ተዓፊኖም ተወሲዶም ኣሎዉ።ገለ ኣስማት ካብቶም ተዓፊኖም ተወሲዶም ዘሎዉ ኤርትራዉያን፡-

  1. ምስግና በየነ
  2. ማሕሙድ ኢብራሂም
  3. ኣንገሶም  ሃለቃ
  4. ገርጊስ ኢትራባይ

ብመሰረት እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ካብ መንጉኦም ብዙሓት ናይ ጥሜት ኣድማ ጌሮም እኳ እንተለዉ ፡ ኩነታቶም ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝባኣሰ ዓሪጉ ከምዘሎ ተመልኪቱ። ብፍላይ እተን ነፍሰጾራት ከይተረፈ ዘሎወአን 94 ደቂኣንስትዮን 10 ቆልዑን ኩነታቶም ዘሰንብድ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ሎሚ ብመገዲ ሞባይል ተሌፎን ካብ ዉሽጢ እቲ ቤት ማኣሰርቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ዛጊት ሽሕ እኳ ኮምሽን ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታቶም ብዝምልከት ሓበሬታ በጺሕዎ እንተሎ፡ ምስ ኩነታቶም ዝጣዓዓም ግብረ-መልሲ ስለዘይተወስደ እቶም ስደተኛታት ግዳያት ህግደፍን፡ ካልእ ንዘይሕጋዊን ዘይሰብኣዉን ተግባራት ተሳጢሖም ምህላዎም ሓቢሮም።

በዚ መሰረት ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ብዉልቅን እኩብን፡ ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነዞም ኣብ  ሽማልያ ኣብ ድንጓላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ተኣሲሮም ዘሎዉ ኤርትራዉያን ንድሕነቶም ህጹጽ ንጥፈታት ከካይዱ ኣምሪሮም ይምሕጸኑ ኣሎዉ። ሽማልያ ካብ ካርቱም 600 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ እያ።

 

ዝያዳ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ተንቀሳቓሲ ቁጽሪ ስልኪ ብምድዋል ምስቶም ግዳያት ምዝራብ ይካኣል።  00249908555169

 

4 ጥቅምቲ 2011

መሓሪ ኣብራሃም

tvzete@hotmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5902

Posted by on Oct 9 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

2 Comments for “ካብቶም 365 ብመንግስቲ ሱዳን ኣብ ሽማሊያ ፍሉይ ስሙ ድንጓላ ዝባሃል ቦታ ተኣሲሮም ካብ ዘሎዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት 5 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተጨዉዮም ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።”

  1. […] فى تفاصيل الخبر ( نشر فى فرجت الانجليزية ) ان بين اللاجئين المعتقلين فى دنقلا 94 امرأة  بينهن […]

  2. السلام وعليكم إخوننا إريترين هل عندكم بل حكم الظالم ماذ يجري عن كرن قبل خمسة أيام سجنوشعب أبرياء يطالبون عن حقوقهم بل بيوة والله آخذ منهم مناذلهم وسجنهم وأسبب آنتم لاتعيشون في المدينه تعشون في القري قال لهم وأخذمناذلهم ولمن طالبو من مناذلهم هذه السبب الذي سجنهم واسماءهم عبدحامد من فلادارب ياسين حسين ن أجربب وعثمان علي من وزنتت وعلي بخيت من أجربب ونافع علي من أجربب هذه آسماء السجنا ربنا يحفظهم في سجونهم آنا مرسل هذه الرسالة من دخل إريتريا إتقدمو ياسورة نلقي آمل عليكم

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net