እቶም ኣስታት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ምስ ዘይሕጋዉያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ብሔረ ራሻይዳ እንዳተጓዕዙ እንከለዉ ምስ ፖሊስ ሱዳን ተኹሲ ድሕሪ ምልዉዋጥ፡ ብመንግስቲ ሱዳን ተታሒዞም ህጹጽ ሓገዝን ረድኤት ድሕነትን ዝጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራዉያን ሕጂ እዉን ኩነታቶም ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ከምዝርከብ ሎሚ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ብቐጥታ ካብቶም እሱራት ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ፡ ዛጊት ሓሙሽተ ደቂተባዕትዮ ካብቲ ቦታ ብስርዓት ህግደፍ ሓይልታት ጸጥታ ተዓፊኖም ተወሲዶም ኣሎዉ።ገለ ኣስማት ካብቶም ተዓፊኖም ተወሲዶም ዘሎዉ ኤርትራዉያን፡-
- ምስግና በየነ
- ማሕሙድ ኢብራሂም
- ኣንገሶም ሃለቃ
- ገርጊስ ኢትራባይ
ብመሰረት እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ካብ መንጉኦም ብዙሓት ናይ ጥሜት ኣድማ ጌሮም እኳ እንተለዉ ፡ ኩነታቶም ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝባኣሰ ዓሪጉ ከምዘሎ ተመልኪቱ። ብፍላይ እተን ነፍሰጾራት ከይተረፈ ዘሎወአን 94 ደቂኣንስትዮን 10 ቆልዑን ኩነታቶም ዘሰንብድ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ሎሚ ብመገዲ ሞባይል ተሌፎን ካብ ዉሽጢ እቲ ቤት ማኣሰርቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ዛጊት ሽሕ እኳ ኮምሽን ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታቶም ብዝምልከት ሓበሬታ በጺሕዎ እንተሎ፡ ምስ ኩነታቶም ዝጣዓዓም ግብረ-መልሲ ስለዘይተወስደ እቶም ስደተኛታት ግዳያት ህግደፍን፡ ካልእ ንዘይሕጋዊን ዘይሰብኣዉን ተግባራት ተሳጢሖም ምህላዎም ሓቢሮም።
በዚ መሰረት ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ብዉልቅን እኩብን፡ ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነዞም ኣብ ሽማልያ ኣብ ድንጓላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ተኣሲሮም ዘሎዉ ኤርትራዉያን ንድሕነቶም ህጹጽ ንጥፈታት ከካይዱ ኣምሪሮም ይምሕጸኑ ኣሎዉ። ሽማልያ ካብ ካርቱም 600 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ እያ።
ዝያዳ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ተንቀሳቓሲ ቁጽሪ ስልኪ ብምድዋል ምስቶም ግዳያት ምዝራብ ይካኣል። 00249908555169
4 ጥቅምቲ 2011
መሓሪ ኣብራሃም





السلام وعليكم إخوننا إريترين هل عندكم بل حكم الظالم ماذ يجري عن كرن قبل خمسة أيام سجنوشعب أبرياء يطالبون عن حقوقهم بل بيوة والله آخذ منهم مناذلهم وسجنهم وأسبب آنتم لاتعيشون في المدينه تعشون في القري قال لهم وأخذمناذلهم ولمن طالبو من مناذلهم هذه السبب الذي سجنهم واسماءهم عبدحامد من فلادارب ياسين حسين ن أجربب وعثمان علي من وزنتت وعلي بخيت من أجربب ونافع علي من أجربب هذه آسماء السجنا ربنا يحفظهم في سجونهم آنا مرسل هذه الرسالة من دخل إريتريا إتقدمو ياسورة نلقي آمل عليكم