ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ዓባይ ብሪጣንያ

ውጽኢት ምርጫ ናይ ሕጹያት ንውክልና ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ- 08ን 09ን/10 2011

ድሕሪ ቀጻሊ ጻዕሪ ንልዕሊ ዓመት መመላእታ ካብ ምቅናዕ ሃገራዊ ዋዕላ ጀሚርና ከይተሓለልና ምስ ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ኣብ ሎንደንን በርሚንግሃምን ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ነቲ ዝድለ ዘሎ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሸቶ ክዉን ንምግባር ጽዒርና።

ስራሕና ኣብ ግብሪ ንምርግጋጽ ኣብዚ ዝሓለፈ ግዜ ሽማግለታት ኣቝምና። ስራሓት ሽማግለታት ብምክትታል ኣብ ምክያድ ሰሚናራት፣ ህዝባዊ ኣኼባታትን ርኽክባትን ብምጽዋዕ ነቲ ብፖለቲካዊ ሽማግለ ኮሚሽን ዝተዳለወ ንድፊ ሰነዳት ንጉባኤ፣ ወፈያታትን ኣስተዋጽኦን ገንዘብ ንመመውሊን መደገፍን ንጉባኤ ምእካብ፣ ህዝቢ ወዲብና ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ወከልቲ ተመሪጾም ምድላው ዝኣመሰሉ ዘጠቓለለ ንጥፈታት ኣካይድና።

ብተሳታፍነት ህዝብን ተዓዛብነት ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣብ መስርሕ ምርጫ ብምርግጋጽ ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ስርሐን ዛዚመን ይርከባ ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጨንፈር ለንደን ነዞም ዝስዕቡ 7 ዝውክልዎም መሪጾም ኣለዉ፣-

  1. ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ
  2. ሓሚድ ዑመር ኢዛዝ
  3. ጸጋይ ዮውሃንስ
  4. ረድኢ ዓይቡ
  5. ዓሊ ሂንዲ
  6. እድሪስ ባርያይ

ቡሰይና ናስር

ካብ 9 ንዓባይ ብሪጣንያ ዝተማቓርሐ ብጽሒት በርሚንግሃም 2 ወከልቶም መሪጾም። ንሳቶም ከኣ፣-

  1. እስማዒል ገበይታ
  2. ኣሕመድ መሓመድ ሳይቕ  

 

መስርሕ ምርጫ ብዲሞክራስያዊ፣ ግሉጽነትን ነጻነትን ኣገባብ ኣብ ትሕቲ ተዓዛብነት ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብ ከተማታት በርሚንግሃምን ለንደንን ኢዩ ተኻይዱ።

ኣብ መወዳእታ ደጊምና ዕማም ሽማገለታት ከም ዝተዛዘመ እናበሰርና ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ከይትሓለለ ክሰርሕን ክደጋገፍን ንጽውዕ።

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!  

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ዓባይ ብሪጣንያ    

.

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5948

Posted by on Oct 14 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net