ሃገራዊ ኮምሽን ንስድራ ቤት ክቡር ሓርበኛ ኣቦና መሓመድ ዑመር አኪቶን ህዝብን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምስዋኣቲ ክቡር ሓርበኛ ዑመር አኪቶ ዚትስሞዖ መሪር ሓዘን እናገልጸ፡ ንክቡር ሓርበኛ ኣቦና መሓመድ ዑመር አኪቶ መንግስተ ሰማይ ክወርስ እናተመነየ፡  ንስድራ ቤቱን የዕርክቱን ብጾቱን፡ ህዝብን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል። 

 

 

ክቡር ሓርበኛ ኣቦና መሓመድ ዑመር አኪቶ ነጻነት ጋህዲ ንምግባርን፡  ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ነብሱን ሃገሩን ኪኽወንን  ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኮሪዑ፡ ኩሉ ሰብኣዊ መሰሉን ማዕርነቱን ተኸቢርሉ ብሕድሕድ ምፍቅቓድን ምፍቅቓርን ንክነብር ዘይሕለል ቓልሲ ኣካዩዱ’ኣዩ፡፡

 

እቶም ቅርሲ ሃገር ዝኾኑ ገዳይም ሓርበኛታት ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት መድረኽ ነጻነት እንታይ ረኺቦም ኢልና ምስ ንሓትት፡ ብስንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተኸተሎ ብሓትን ኣግላልን ፖሊስታት ኣሽንኳይ’ዶ ኣብታ ዝተቓለሱላ ኤርትራ ኮሪዖም ኪንብሩን፡ ጥዑም ኣየር ነጻነት ክስተንፍሱን፡ ብአንጻሩ ኣደዳ መወዳአታ ዘይብሉ ህግደፋዊ ማአስርቲ ኮይኖም እዮም ዘለዉ፡፡ ክቡር ሓርበኛ ኣቦና መሓመድ ዑመር አኪቶ እውን ግዳይ ናይ ህግደፋዊ ማአስርቲ ምንባሩ ኣዩ ዚፍልጥ፡፡

 

ኩላትና ደለይቲ ፍትሒን፡ ዲሞክራሲን፡ ቅርሲ ሃገርና ዚክኑ ሓርበኛታትን ጉቡእ ክብሮም ንኪርክቡን፡  ነቲ ድልይተን ባሓጊን ሱዋኣትና ኣብ መፍጸምቱ ከነብጽሖ፡ ንቲ ራእይን ሓረርታን ሱዋኣትና ኩዉን ንምግባር ድርብ ጻዓርታት ክንካይድ፡ ዳግም ቃልና ከንሕድስ እዋኑ ዚጥልቦ ምካኑ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ያኣምን፡፡ 

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ደጊሙ ብመስዋእቲ ሓርበኛ ኣቦና መሓመድ ዑመር  አኪቶ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ሓርበኛ ኣቦና መሓመድ ዑመር  አኪቶ መንግሰተ ሰማይ ክወርስ፡ ንምሉኣት ስድራ ቤቱን ብጾትን ፈተውቱን ህዝብን ከኣ ጽንዓት ክህቦም ትምኒቱ ይገልጽ።

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!!

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

27 ጥቅምቲ 2011

WWW.ENCDC.COM

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6129

Posted by on Oct 29 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net