ኣብ ስዊዝ ዝነብሩ ኤርትራውያን 3 ወከልቲ ንሃገራዊ ጉባኤ መሪጾም።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብን
ኮሚሽንን፡ ከም ድልድል ንኸገልግላ ምእንቲ፡ ሽማግለታት ህዝቢ ከም ዝቖማ፡ ምግባሩ ይፍለጥ።
ብመሰረት’ዚ፡ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ስዊዝ ብ 27 ለካቲት 2011 ተመስሪታ፡
ዕማማታ ከተሰላስል ጸኒሓ።
እታ ሽማግለ፡ ቅድሚ ቑሩብ መዓልታት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡
ንህዝቢ ዝዓደሎ ናይ መወዳእታ ብጽሒት 3 ወናብር ንኽምላእ፡ ኣኼባ ኣብ ከተማ በርን ን30
ጥቅምቲ 2011 ብምጽዋዕ፡ መደብ ምርጫ ተሳተፍቲ ሰሪዓ። ኣብቲ ኣኼባ፡ እታ ሽማግለ
ጸብጻብ ዘሰላሰለቶ ዕማምን፡ ዘጋጠማ ጸገማትን ኣቕሪባ። ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበላ ሕቶታት
ብምምላስ፡ ርእይቶታት እውን ተቐቢላ።
ብድሕር’ዚ፡ ኣብ መስርሕ ምርጫ ወከልቲ ብምእታው፡ 3 ሰባት ንምምራጽ 10 ሕጹያት
ቀሪቦም። እቲ ምርጫ፡ ኣስማት ናይቶም ዝምረጹ ሕጹያት፡ ኣብ ወረቀት ብስቱር ብምጽሓፍ፡
ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ መስርሕ ምቑጻር ድምጽን ምሕባር ውጽኢትን ድማ፡
ብኣኼበኛታት ብዝተመርጸት፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከባ ሽማግለ፡ ኢዩ ተጻፊፉ።
እቶም ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ ወከልቲ ህዝቢ ድማ፡-
1) ሓው ዑመር ጣሃ – ካንቶን ኒዩ-ሻተል
2) ሓው መድሕን ክፍሎም – ካንቶን ጀነቭ
3) መንእሰይ መሓመድ ኣማን (ኣንጀባ) – ካንቶን ቱርጋው
ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ፡ ነዞም ወከልቲ ህዝቢ፡ እንቛዕ ሞገሰኩም እንዳበለት፡ ህዝቢ
ንዘንበረሎም ሓላፍነት ብግቡእ ንኽፍጽሙ፡ ዘለዋ እምነት ብምግላጽ፡ ኣሳልጦ ትምነየሎም።
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ!!!
ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ስዊዝ
31 ጥቅምቲ 2011
Email: nshmagleswiss@yahoo.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6177

Posted by on Nov 2 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net