ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ብዕለት 09/11/2011 ዝጀመረ ኩፉት ኣኼባታት ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ንምዕዋት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዘተኮረ ኣኼባ ዘነብረ ኮይኑ፡ ጉባኤ ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ እቲ ኣኼባ እንዳገና ብዕለት 16/12/2011 ብምቅጻል ንውጺአት ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዛዝ ዝዓልመ ብድረጃ መዳባት ምስ ውጽኢት ሃገራዊ ጉባኤ ዝጣዓዕም ኣገባብን መሳሪሒታትን ርእዩ።

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ካብኡ ዝድለ እጃሙ ንክጻወትን ኣገባብን መሳሪሒታትን ቕርጻ ኣወዳድባ ፈጻሚ ኣካሉን ከመይ ይኽውን ነዚ ብዕምቆት ንምርኣይ ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ንዕለት 10 መጋቢት 2012 ኣኼባ ንምክያድ ወሲኑ፡፡ ከምኡ እውን ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብ ህዝባዊ፣ ዜናዊ፣ ዲፕሎማስያውን ወታሃደራውን መዳያት ዝቀረበ ትልሚ ዕዮ ኣጽዲቁ፡፡ በዚ መስረት ከኣ፡ ኣኼብኡ ብ31 ታሕሳስ 2011 ዛዚሙ፡፡

 

ማእከላይ መሪሕነት ኤዲኪ

3 ጥሪ 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6430

Posted by on Jan 6 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net