ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኣባላት ሰልፍን ጀበርቲ ተቐማጦ በርሚንጋሃምን ካባቢኣን ናይ መብርሂ ኣኼባ ኣካይዱ።

 

ብምኽንያት ምርግጋጽ መሰል ብሄር ጀበርቲ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2011 ኣብ ኣዋሳ ዝተኻየደ ዕውት ጉባኤ፡ ሓላፊ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓው ሙሳ በሺር ምስ ኣባላት ሰልፍን ጀበርቲ ተቐማጦ በርሚንጋሃምን ከባቢኣን ዝሓለፈ ቀዳም 31.12.2011 ናይ መብርሂ ኣኼባ ኣካይዱ።

ከምቲ ልሙድ እቲ ኣኼባ ብቁርኣን ኣልከሪም ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሓላፊ ጨንፈር፡ ሓው ሙሳ በሺር ንዑዱማት ኣጋይሽ ናይ ምስጋና ቃል ድሕሪ ምቕራብ በጋጣም ሓዲሽ ዓመት ጽቡቕ ምንዮታት ገሊጹ። ሓው ሙሳ ቀጺሉ፡ ዓመተ-ምህረት 2011 ኣብ ታሪኽ ተቓውሞ ኤርትራ ፍሉይ መድረኽ ዝበጻሓሉን ሓድሽ ምዕራፍ ዝተኸፍተሉን ዓመት እያ ነይራ ኢሉ።

እወ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም፡ ካብ ኩለን ፖለቲካውያን፡ ብሄራውያንን ሓውሲ-ብሄራውያን ውድባት፡ ከምኡውን ካብ ኩሉ ብሄራትን ኣውራጃታትን ዝመጹ ህዝቢ ኤርትራ ዕድመ ስርዓት ንምሕጻር ሓድነቶም ኣደልዲሎም ክቃለሱ ዝተሰማምዑላ ዓመት ስለ ዝነረት ኣብ ታሪኽ ተቓውሞ ኤርትራ ኣዚያ ኣገዳሲት ዓመት እያ ነይራ ክብል መደረኡ ቀጺሉ።

ከምኡውን ነቶም ኣብ ቅድሚት ሓያል ብድሆ ዝጽበዮም ዘሎ ኣባለት ማእከላይ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት ሰናይ ምንዮታት ድሕሪ ምግላጹ፡ መደባቶም ንምዕዋት ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት ሙዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ሓው ሙሳ፡ ነቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝተረጋገጸ መሰል ብሄር ጀበርቲ ፡ ዓወት ናይ ደቂ ብሄር ጀበርቲ ጥራይ ዘይኮነስ ዓወት ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ሙዃኑ ኣረጋጊጹ። በዚ ኣጋጣም ድማ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንደቂ ብሄር ጀበርቲ ድማ ብፍላይ እንቋዕ ኣብዚ ኣብቃዓና ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዘታኣታተዎ ዓማጺ ዝኾነ ግዴታዊ ምጽምባር ናይ ብሄራት ከብቅዕ ንዝገበረ ዘይሕልለ ቃልሲ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጎኑ ጠጠው ክብል ድማ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣብ መጨረሽታ፡ ጉባኤ ንምዕዋት ዝኣክል ምትሕብባርን ጥጡሕ ባይታ ዘንጸፉልናን ፍሉይ ኣቀባብላ ዝገበሩልና መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ናይ ዞባ ደቡብ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን መንግስቲ ድማ ብፍላይ ድሕሪ ምምስጋኑ፡ ዓመተ ምህረት 2012፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣራሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ተገላጊሉ፡ ዓመተ ራህዋን ሰላምን ክኸውን ሰናይ ምንዮታት ጨንፈር ገሊጹ።

 

ኣኼባ፡ ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበ ሕቶን መልስን ከምኡውን ናይ ሓጉስ መልእኽቲ ነንሕድሕዶም ድሕሪ ምቅይያር ብናይ ጉባኤ ስእላዊ መግለጽን ጉባኤ ኣኼባ ተዛዚሙ። ተመሳሳሊ ኣኼባ ንዕለት 14.01.2012 ኣብ ሎንደን ክካየድ ምዃኑ ድማ እቲ ጨንፈር ሓቢሩ።

ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሓይልና ኣብ ሓድነትና

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ክፍሊ ዜና

01/01/2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6450

Posted by on Jan 8 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net