ናይ መብርሂ ኣኼባ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሎንደን ቀጺሉ።

መቐጸልታ ናይቲ በብከባቢኡ ዝካየድ ዘሎ መብርሂ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ብቀዳም 14.01.2012 ኣብ ሎንደን ንኣባላት ሰልፍን ጀበርቲ ተቐማጦ ከተማ ሎንደንን ከባቢኣን ኣካይዱ። መጀመሪያ እቲ ኣኼባ ብቁርኣን ኣልከሪም ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሓላፊ ክፍሊ ውደባ ጨንፈር ሓው ጀማል ፍትዊ ንኣባለት ሰልፍን ዕዱማትን እንቋዕ ብዳሓን መጻእኩም ኢሉ፡፡ ቀጺሉ ሓላፊ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓው ሙሳ በሺር ንኣባላትን ንዑዱማት ኣጋይሽን ዕድሜ ኣኽቢሮም ብምምጻኦም ደጊሙ ድሕሪ ምምስጋን ብዛዕባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ሓው ሙሳ በሺር፡ ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝኣክል ተቓሊሱ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ዝረኸቦ ናጽነት ከይስተማቐረ፡ እነሆ እንደገና ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ትሕቲ መቑሕ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ይርከብ። ሎሚ ኣብ ክንዲ ዳግመ-ህንጻ፡ ምስ ጎሮባብቲ ሃገራት ውግእን ወረ-ውግእን፡ ዓቅሚ መንእሰያት ድማ ኣብ ክንዲ ልምዓት፡ መጨረሽታ ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን፡ ዕድል ዝረኸቡ ድማ ናብ ስደት ብምምራሕ፡ ግዳያት መድረ-በዳን፡ ሲናይን፡ ሜዲትራንያን ቀላያትን ኮይኖም ይርከቡ። ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ንዳግም ስደትን ውርደትን ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ ህሞት እዩ እምባኣር፡ ደንበ ተቓዎሞ ከምቲ ዝድለ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ነቲ ብኹሉ ሸነኻቱ ቦኽቢኹ ዘሎ ስርዓት ካብ ስሩ ንምብርዓን፡ ዝያዳ ክቀላጠፍ መታን፡ ካልኣዊ ፍልልያቱ ኣወጊዱ ኣስታት 600 ተጋባእቲ ዝተሳተፍዎ ዕዉት ጉባኤ ኣሕሊፉ። እንሆ ድማ ሎሚ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዕማማት ጉባኤ ንኸዐውት ይሸባሸብ ኣሎ። “ኣተሓሒዙ፡ ሓው ሙሳ፡ ብምኽንያት ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤን ርእሰ-ውሳኔ ብሄራት፡ ከምኡውን እቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝታአታተወ ግዴታዊ ምጽምባር ብሄራት ምውጋድን፡ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኤርትራ ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ግዳይ ናይዚ ምጽምባር ዝኾነ ብሄር ጀበርቲ እንቋዕ ሓገሰኩም እንቋዕ ኣብዚ አብቃዓና ኢሉ።” ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ከይዘንገዔ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ መሰሉ፡ መሰል ብሄሩን ሃይማኖቱን ውልቃዊ ነጻነቱን ምስ ዝኸበር እዩ፡ ግቡእ ሃገራዊ ሱታፌኡ ከበርክት ዝኽእል ካብ ዝብል እምነት፡ ንመሰል ብሄር ጀበርቲ ብሓይሊ ክቃለሰሉ ዝጸንሐን ዘሎን ክብል ሓው ሙሳ መግለጺኡ ቀጺሉ። ድሕሪ እዚ፡ ነቲ ጻዕረኛ ተቓለሳይ መሓመድ ኣማን ነጋሽ፡ ነቲ ኣብ ጨንፈር ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕለል ቃልሲ በቲ ጨንፈር ዝተዳለወ ናይ ጽንዓት ሽልማት ተዓዲሎ። ኣብ መጨረሽታ፡ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ፡ ጉባኤ ንምዕዋት ዝገበርዎ ኩሉ ዓይነት ምትሕብባር ድሕሪ ምምስጋኑ፡ ዓመተ ምህረት 2012፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣራሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ተገላጊሉ፡ ዓመተ ራህዋን ሰላምን ክኸውን ሰናይ ምንዮታት ጨንፈር ገሊጹ። ኣኼባ፡ ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበ ሕቶን መልስን ከምኡውን ናይ ሓጉስ መልእኽቲ ነንሕድሕዶም ድሕሪ ምቅይያር ኣኼባ ተዛዚሙ። ዝኽሪ ንሰማእታትና ሓይልና ኣብ ሓድነትና ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ክፍሊ ዜና 01/01/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6502

Posted by on Jan 30 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net