ምቛም ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ብመሰረት ጻውዒት መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ፡ ንኣብ ኤውሮጳ ዝነብሩ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘሳተፈ ኣገዳሲ ኣኼባ ብዕለት 09/03/2012 ተሰላሲሉ። ዕላማ ናይቲ ኣኼባ፡ ኩሉ መዳያዊ ጐስጓስ ብምክያድ፡ ግደ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ቃልሲ ክብ ንምባልን፡ ኣብ ስራሕ ዝጽመድ ህዝባዊ ሽማግለታት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ ንምቛምን፡ ሓላፍነት ዝስከም ምምሕዳር ሃገራዊ ባይቶ – ዞባ ኤውሮጳ ንምምራጽ እዩ ነይሩ።

 

ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣቶ ጸጋይ የውሃንስ፡ ቃልስና ከነደንፍዕ እቲ ኣብ መወዳእታ 2011 ዝተኻየደ ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤ ዝፈጠሮ ታሪኻዊ ምቹእ ናይ ቃልሲ ባይታን፡ ኩሉ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኣካውና ሕብረተሰብና ዝሓቝፈ ሃገራዊ ባይቶ ብምቛሙን፡ ብግቡእ ክንጥቀመሉን፡ ብዕቱብነት ክንሰርሕን ዕዙዝ ተደላየነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

 

ኣኼባ ብምቕጻል፡ ኣብ ውሳኔታታ ሃገራዊ ባይቶን መምርሒ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ብምምርኳስ፡ ኣብ ኤውሮጳ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ዕዮ ብዕምቆት ድሕሪ ምክታዕን፡ ዝተፈላለየ ሓሳባት ድሕሪ ምልውዋጥን በዞም ዝስዕቡ ኣባላት ዝቝመ ምምሕዳር ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ኤውሮጳ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ፡-

 

  1. ደስበለ መሓሪ                        ኣቦ መንበር
  2. ሰይድ ዓሊ ኢብራሂም      ምክትል ኣቦ መንበር
  3. ዳንኤል ወልደትንሳኤ                ዋና ጻሓፊ
  4. ክፍለ ኣስገዶም (ሸቃ)      ሓላፊ ምምሕዳራውን ፋይናንሳውን ሽማግለ
  5. መስፍን ፍትዊ             ሓላፊ ሽማግለ ወጻኢ ዝምድናታት
  6. ነጋሽ ዑስማን                        ሓላፊ ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን
  7. ኢድሪስ ንሩ                          ሓላፊ ህዝባውን ማሕበራውን ሽማግለ
  8. ኑርያ ሑሰን                          ሓላፊት ሽማግለ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ
  9. ፍሰሃየ ሓጐስ                        ሓላፊ ሽማግለ ጉዳይ መንእሰያት    

 

 

 

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ዞባ ኤውሮጳ

10-03-2012

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6718

Posted by on Mar 12 2012 Filed under News, Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net