ዕዉት ዑደት ልኡኽ ሃገራዊ ባይቶ ናብ ብሩክሰልስ

ልኡኽ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ብሩክሰልስ ዑደት ከም ዘካየደ ተሓቢሩ። ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዶክተር ዩሱፍ በርሃኑን፡ ኣቶ መስፍን ፍትዊ ሓላፊ ሽማግለ ወጻኢ ዝምድናታት ሃገራዊ ባይቶምምሕዳር ዞባ ኢወሮጳን፡ ኣብ’ታ ዋና መደበርን መንሃርያን ሕብረት ኤውሮጳ ዝዀነት ከተማ ብሩክሰልስ፡ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ EEAS (European External Action Service)፡ ኣብ 28 ለካቲት 2012 ኣገዳሲ ርኽክብ ከም ዘካየደ ካብ ብሩክሰልስ ዝመጻና ሓበሬታ የረጋግጽ።

 

ኣብ’ዚ ርኽክብ’ዚ፡ ኣቦ መንበር  ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ነቲ ልኡኽ ዝተገብረሉ ክብ ዝበለ ኣቀባብላን ተገዳስነትን ድሕሪ ምምስጋንን፡ ውጽኢት ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህን፡ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ታሪኻዊ ጉባኤ’ዚ፡ ዳርጋ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ’ዚ ተመስሪቱ ዘሎ ሰፊሕ ጽላል ተጠርኒፎም ይቃለሱ ምህላዎም ብምምልካት፡ ነቶም ዝተጠቕሱ ሰበ ስልጣን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ምስ’ዚ፡ ማኣከላይን መሰረታውን ዕላማ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ራህዋን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን፡ ፍትሓውነትን፡ ግዝኣተ ሕግን ዘረጋገጸ ምሕደራ ከም ዝነብር ንምግባሩን፡ ኤርትራ ሃገርና ከኣ ኣህጉራዊ ሕግታትን ክብርታትን ኣኽቢራን፡ ምስ ጐረባብታ ተሳንያን ትነብር ደሞክራስያዊትን ምዕብልትን ሃገር ንምህናጽ ምዃኑ ኣብሪሁሎም። ብዘይካ’ዚ፡ ብሰንኪ ፍሹልን ኣዕናውን ቁጠባዊ ፖሊስን ምሕደራን ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ጥሜትን ዓጸቦን ንድየትን ከይኣክል፡ መንእሰያት ሃገርና ካብ’ዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሌኦም ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕታት ከምልጡ ክብሉ፡ ናብ ፈቐዶ ስደት የምርሑ ምህላዎም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጒዕዞ ስደቶም ኣደዳ ሰረቕትን ሸፋቱን ንሕስያ ዘይብሎም ነጋዶ ኣካላት ደቂሰብን ተሳጢሖም፡ ዘጋጥሞም ዘሎ ኣስካሕካሕን ዘይሰብኣውን ፍጻሜታት ኣዚዩ ከም ዘተሓሳሰቦን፡ ነዚ ድማ ህጹጽ ኣህጉራዊ ኣቓልቦን ደገፍን ምክልኻልን ክግበረሉ ከም ዘለዎን ኣምሪሩ ከም ዘማሕጸኖም ዝበጽሓንና ዜና ሓቢሩ። ኣብ መደምደምታ ድማ፡ ኩሎም እቶም ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘይተሳተፉ ኣካላት፡ ትሕዝቶኦምን ስፍሓቶምን ኮነ ኣብኡ ዘይመሳተፊኦም ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ምስ ኣሕዋቶም ኣሓቶምን ተጸንቢሮም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ክቃለሱ፡ ርሑው ማዕጾ ወትሩ ይጽበዮም ከም ዘሎ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣረጋጊጹ።

 

ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኖም፡ ነቲ ልኡኽ  ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብተገዳስነት ክከታተልዎ ከም ዝጸንሑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ብውሑዱ ተዓዊቱ ብምውጽኡ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዓብዪ ሃገራዊ ዕማም ከም ዘሰላሰሉ ዘለዎም ገምጋም ገሊጾም። ነቲ ልኡኽ ዝሃቦም መግለጺ መሰረት ብምግባር ድማ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን በርገሳዊ ማሕበራትን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ካልኦትን ጠርኒፉ ተበጊሱ ዘሎ ሰፊሕ ኤርትራዊ ጽላል ክሳብ ዝዀነ፡ ብቐጻልነት ክትኲስኲስዎን ከተማዕብልዎን ተስፋ ንገብር ክብሉ፡ ዘተባብዕ መልሲ ነቲ ልኡኽ ከም ዝሃብዎ ተፈሊጡ። ቀጺሎም፡ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓዲሽ መድርኽ ተሰጋጊሩ ምህላው ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንቕድሚት ሓድነትኩም እናረጋግጽኩም ምስ ትቕጽሉ፡ ዝያዳ ኣህጉራዊ ኣቓልቦን ደገፍን ከተረጋግጹ ከም ትኽእሉ እምነትና’ዩ ክብሉ ሓቢሮም። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ብዙሕ ስራሕ ይጽበየኩም ከም ዘሎ ይርደኣኣና’ዩ ክብሉ ኣሚቶም። ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታትን በደላትን ብዙሕ ከም ዘሕዝኖምን፡ ብዛዕብኡ ብዲፕሎማስያዊ መስኖታት ኣቢሎም ምስ’ቲ ስርዓት ካብ ምዝርራብ ዓዲ ከም ዘይወዓሉን ሓቢሮም።

 

እዚ ዝተኻየድ ዕዉት ዑደት ላዕላዋይ ልኡኽ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባላቱ ዝዀና ምዕራባውያን መንግስታትን፡ መሰረት ዘለዎ ናይ ስራሕ ዝምድና ንምፍጣር፡ ኣፍደገ ዝኸፈተ ኣገዳሲ ርኽክብ ምንባሩ ክጥቀስ ዝከኣል’ዩ።

 

 

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳ

12/03/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6727

Posted by on Mar 13 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net