ሁጹጽ መጸዋዕታ ንሰበ-ስልጣን የመንን ሕብረተ-ሰብ ዓለምን
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሑደይዳ የመን ዝርከቡ 244 ስደተኛታት ኤርትራውያን ንዋሕዲ መግብን ተላጋቢ ሕማምን ተቓሊዖም ይሳቐዩ ምህላዎም ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ የረጋግጽ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብዚ ሓበሬታ’ዚ ብምብጋስ ከኣ ነዚ ዝስዕብ ሓቅታት ከብርህ ግድነት ይህልዎ።
• ኤርትራውያን ኣብ የመን ክስደዱ ዝገደደ ቀንዲ ምክንያት ብስንኪ’ቲ ኣዕናዊ ፖሊስታትን ተግባራትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘስዓቦ ዝኸፍአ ፖሎቲካዊ ውጽዓታትን ቁጠባዊ ቅልውላውን ምዃኑ፡፡
• ኤርትራውያን ብሓፈሻ ሰደተኛታት ከኣ ብፍላይ ናይቲ ዝተሰደድሉ ሃገራት ኣህዛብ ዘኽብሩን ንዝግበረሎም ኩሉ መዳያዊ ምትእንጋድ ዘመስግኑን ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሑደይዳ ዝርኸቡ መንእሰያት ናብ የመን ክስደዱ ዝገበሮም ምክንያት ውሕስነት ሰላምን ጸጥታን ንምርካብ’ዩ።
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ሓቅታት መሰረት ብምግባር፡ ሰበ-ስልጣን የመን ኣብ ሃገሮም ክስደዱ ዝተገደዱ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሑደይዳ ዝርኸቡ ከኣ ብፍላይ፡ ናብ ሃገሮም ተገዲዶም ምስ ዝምለሱ ዝጽበዮም ዕጫ ስለዘይፍለጥ፡ ካብ ድሌቶም ወጻኢ ንኤርትራ ከይምለሱን ኣብ ውሑስን ምቹእን ቦታ ክሰፍሩን ኩሉ ኣድላዪ ምትሕግዝ ክግበረሎም ንምሕጸን።
ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ማሕበራትን ትካላትን ብፍላይ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮምሽን ስደተኛታትን ዓለምለኻዊ ማሓበር ቀይሕ መስቀልን ኣብ ፍቆዶ ሃገራት ንዝርኸቡ ሰደተኛታት ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣብ የመን ንዝርኸቡ ከኣ ብፍላይ ሰብኣዊ መስላቶም ክሕለውሎምን መሰል ዕቁባ ክረኽቡን ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻወቱ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ለበዋና ነቕርብ።
ኤርትራዊ ዲሞከራስያዊ ኬዳን
22 ግንቦት 2012
Short URL: https://english.farajat.net/?p=7085