ኣገዳሲ ሓበሬታ

ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር /ኤደግ/ መከተ ረዚን ህዝባውን ሃገራውን ዕማማቱ ብዕቱብ ንምስልሳል ብሰለስተ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን እንግሊዘኛን ድሮ ስራሓቱ ጀሚሩ ምህላዉ ንመላእ ህዝብን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ነበስር። ቀጥታዊ ትርጉም መከተ ኣብ ሃገርና እቲ ግዕዘይን ብልሽውን ምሕደራ ህግደፍ ተወጊዱ፡ መተካእትኡ ክሳብ ንኩሉ መዳያዊ ክብርታት ህዝብና ይኹን ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ዘኽበር፡ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝህነጽ፡ ብኩለ-እንተናዊ መንፈስን ሓላፍነትን ንሕሱም ምልክነትን ጨካን ግፍዕታቱን ምምካት ምዃኑ ድማ የመላክት።

ብርግጽ ከኣ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ መከተ፡-

  1. ኣብዚ ህልዊ መድረኽ’ዚ ብቀዳምነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰትን ዕንወትን ህግደፍ ንምድሓን።
  2. ኩሉ-መዳያዊ ዓቕምታት መላእ ህዝብን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ጸረ’ቲ ጨካንን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ንምቕናዕ።
  3. ኣብ ኤርትራ መሰላትን ሓርነታትን መላእ ህዝቢ ዘረጋግጽ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ።
  4. ኣብ ኤርትራ ውሕሰነት ዘላቒ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ምዕባሌን ንምርግጋጽ ብዕቱብ ህዝባውን ሃገራውን
    ሓላፍነት ክዓዪ ምዃኑ ንሕብር።

 

ኣብ ክሊ’ዚ ህዝባውን ሃገራውን ዕላማታትን’ዚ ንመሰልን ናጽነትን ሓርነትን ካልኦት ዘይዳፍኡ ካብ መላእ ህዝብን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ዝመጹ ሃነጽቲ ሓበሬታታት፡ ሓሳባት፡ ርእይቶታት፡ ትሕዝቶ ጽሑፋት፡
መጽሔታት፡ ስእልታት፡ ፖሎቲካዊ ትንታኔታት……ወዘተ ብሰለስቲኡ ቋንቋታት ተቐቢሉ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ወይ ኣድልዎ
ከተኣናግድ ድልው ምህላው ነረጋግጽ፡፡ ወትሩ ሃናጺ ሓሳባትኩም ወይ ርእይቶታትኩምን ጽሑፋትኩምን በዚ ኣድራሻ’ዚ edf4eritrea@yahoo.com ክትሰዱልና ድማ
ብክብሪ ንዕድም።

 

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንምእታው www.mekete.org
ክትጥቐሙ ንሕብር።

 

ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀትን ሞትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን!!

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር /ኤደግ/

21 ሓምለ 2012

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7388

Posted by on Jul 21 2012 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net