Press release

መኤረምታ ፡ ንመግለጺ ደሞክራስያዊ ምንቅስቕስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ

እቲ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ፡  ብደሞክራስያዊ ምንቅስቕስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ፡ ንስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝምልከት ዝወጸ መግለጺ ፡ መስመሩ ዝሰሓተን ዘይሓላፍነታዊን ክንዲዝኾነ ፡መሪሕነት ደሞክራስያዊ  ምንቅስቕስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ፡ ነቲ ዘውጽኦ መግለጺ ዳግመ ግምት ብምግባር መኤረምታዊ መግለጺ ከውጽእ ንጽውዕ ።

ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዘይሕከኽ ናይ ክብሪ ቦታ ዝሓዘን ፡ ኩሉ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዓሙቅ  ፍልጠት ዝውንን ሰብ ዝምስክረሉን ፡ ብጅግንነቱን በቲ ክብረ-መስዋእቱን ኣብ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ዓቢ ተራ ዝተጻወተን ፡ ብረታዊ ገድሊ ዘበገሰን  ጀግና ኤርትራዊ ክንሱ ፡ ታሪኽ ተጠምዚዙ ዘይናቱ ባህሪ ክወሃቦ ኣይግባእን።

 

እቲ ዝወጸ መግለጺ ጽልዋኡ ኣብ ባይታ ክረኤ እንከሎ  ፡ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዝሰበረ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት ዘገልግል ውን እዩ ነይሩ ። ክንዲዝኾነ ድማ እቲ መግለጺ ቅድሚ ምውጽኡ ፡ እቲ ስዒቡ ከኸትሎ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤን ክጽናዕን ክሕሰበሉን እዮ ዝነበረ ። ሎሚ እዋን ካብ ኩሉ ግዜ ንላዕሊ ሓድነት ኤርትራውያን ዘደልድልን ዘሐይልን ደኣምበር ፋሕ ጭንግራሕ ዘእትው ዘይሓላፍነታዊ መግለጺታት ኣይመድለየን ።

ስለ’ዚ ፡ ሰልፊና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ነጥቢ ብምብጋስ ፡ ደሞክራስያዊ ምንቅስቕስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ፡ ነቲ ዘውጽኦ ኣብ ማሕበረሰብ ኤርትራ እንትርፎ  ነቓዕ ክፈጥር እምበር ክእክብ ዘይከኣለ መግለጺ ፡ዳግማይ ግምት ብምግባር ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክብረት ብዝህብ መንገዲ መርገጺኡ ከመሓይሽ ኣጥቢቕና ንጽውዕ ።

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

25/9/2012

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top