ውረድ በሎ !!
ብገዛኢ ኪዳነ
በሉዎ ደስቕዎ በቲ በትሪ ህዝቢ
ጉዳይ ህዝብና ኪረክብ መዕለቢ፡
ፈታዊ ዘይብሉ ንእንኮኡ
በቲ በትሪ ሲበርዎ ሕቖኡ።
ዘራይ የብሉን ኣብ ከባቢ
ጸሊእዎ’ዩ ናይ ህዝብና ልቢ፡
ህዝቢ ዝጸልኦ ዕድሜ የብሉ
ፍትሒ ዝኣምን ሓንቲ ቃሉ።
ነጎዳ ኣድሚጹ ሰርቢ ጀምሩ
ንበይኑ ዝበልዕ ፈተውቱ ኣሲሩ፡
ቀሪቡ’ሎ ናይ ኢዱ ክፍደያ
ኣብ ክንዲ ቦሶ መሪጹ ፋንድያ።
በልዎ በቲ ባዕሉ ዝመረጾ
ህዝብና ክበልዕ ክንዲ ዝረሃጾ፡
ወላዲ ውላዱ ውሉዱ ኪሓቁፍ
ኣጆኻ ጎበዝ በቲ ዝበ መርቅፍ።
ታሕቲ ኩዒትካ ሰራውሩ ቦንቁስ
ውጹዕ ህዝብና ቀሲኑ ክድቅስ፡
ጊዜ ኣይትብላዕ በሎ ዕለዎ
ሰላም ክወርድ እንዳ’ቦ ክርህዎ
ቅደዶ ኩሉ ናይ ሓሶት ለቖታ
ይደምደም ምዕራፍ ናይ ኣሉታ፡
ናብ ኩሉ ጠምት ድሕረኻ ቅድሜኻ
ደጊም ይኣክል ናይ ህግደፍ ያላኻ።
ጭንቂ ህዝብና ህግደፍ ዘይዓጦ
ሕጊ ምጊ ህግደፍ ኣበይ ይፈልጦ፡
ሕጊ ኣይትጸበ ካብ ህግደፍ ዝብኢ
በሎ በቲ ፈልጺ ክስእን መሕበኢ።
ውረድ በሎ ካብ እንግድዓ ህዝቢ
በዚ በቲ ኢልካ ዕሰሎ ከም ንህቢ፡
ብጭሕሙ ወጢጥካ ኣውርዶ
ጸረ ሰላም ነዚ ውሉፍ ጸዶ።
እዚ ኢዩ ኣውራ እቲ መፍትሒ
ንየው በሎ ናይ ህግድፍ ጉርሒ፡
ኣመሉ ፍለጦ ህግደፍ መታለሊ
ነዚ ጸረ ፍትሒ ኣየድልን ዓቕሊ።
. ……../……
Short URL: https://english.farajat.net/?p=8448