Notices

ዕድመ ንመዓልቲ ስዉኣት

eriSocialClubክቡራት ተቐማጦ ከተማ ኰለን‘ን ከባቢኣን!

ክቡራት ኣባላት ማሕበር!

ማሕበረ-ሰብ ኰለንን ከባቢኣን፤

ንቀዳም፣ ዕለት 21 ሰነ 2014 ብከምዚ አብ ታሕቲ ተሰሪዑልኩም ዘሎ ሓበሬታ፣

ንመዓልቲ ስዉኣት ብዝመስልን ዝበቅዕን ሓቢርና ብሓደ ክነብዕሎ ንኵልኻትኩም/ንኵልኻትክን

ብኽብሪ ትዕድም።

ቦት ርክብና፡-

 Friedensparkሰዓት 13፡30 አብ ሰላም ፓርክ Friedenspark‘ዩ። ንኣብነት ካብ Dom-mainstation ተበጊስኩም  ብU-Bahn ቍ.16 አብ Chlodwigplatz ወይ ኣብ Schoenhausenstr. ትወርዱ ካብኡ ብእግሪ ን10 ደቂቓ ናብ ፈለግ ራይን ኣብልኩም ተጓዒዝኩም ትበጽሕዎ። ብመንጽሩ ብሸነኽ  Bonn ንእትመጹ‘ውን ከምኡ‘ዩ።

አብ ቅድሚ ባዕልናዝተኸልናዮ ካስታንየን-ኦም ዚግበር መደባት ከአ፡-

  • ንዝኽሪ ስዉኣት ናይ ሕልና ጸሎት
  • መኽፈቲ/መግለጺ ብኣካየድቲ ማሕበረ-ሰብ፤
  • ብምእመናን ክርስትናን ምስልምናን ብክልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታትና ጸሎት ወይ ዱዓ፤
  • ብስም ቋንቋታትናን ኣኅዛብናን ንዝኽሪ ስዉኣት ምውላዕ ሽምዓታት፤
  • ካልእ ጽሑፋትን ግጥምታትን

 

ቀጻሊ መደብ፡-

ድሕሪ 2 ሰዓታት አቢልና ካብ Friedenspark ናብ Italienisches Zentrum, Offene Welt/Mondo aperto (ድሕሪ ናይ 9 ደቃይቕ ጉዕዞ) ናብ Zugweg 22 ክንከይድ ኢና። አብኡ ናይ Grill/Barbecue ፌስታ ቀጺሉ ከምሲ‘ዩ።

ሰሲንኩም፣ ብድሓነ ሰላም ምጹ!

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!MapTopark

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top