ሓበሬታ ንኹሉ ብዳጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን ዝግደሱ ኤርትራውያን

ናይ ሓባር ጉዕዞ መስርሕ  ጉባኤ  ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንምዕዋት ናይ ጎስጋስን ምልዕዓልን  ባል ቶክሩም (Paltak Room) Eritreawi hagerawi bayto ENCEDC ሙዱብ ስራሓ ክሳብ ኣብ ጉባኤ ንበጽሕ  ኣብ ሰሙን ክልተ ግዝየ  ሰንበትን  ሰኑይን  እትኽፈት ጀሚራ ከም ዘላ በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብር ንፈቱ።

ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ ሩም ንበጻሕታ ናይ ዘተ መኣዲ ከፊታ ካብዚ ኣረሚናዊ ስርዓት ኢሳያስ ንህዝብና ከጽንት መደብ ሰሪዑ ዘህልቐና ዘሎ ንምግልጋል ኣብ ካላኣይ መስርሕ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ከነዕውቶ ዘለና ኣብ ኣርእስቲ ኣስፊርና ህዝቢ ክታዓሉን ክዝትየሉን ሓሳብና ጾሚቕና ናብ መስርሕ ጉባኤ ክንኣቱ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለኹም ጉዱሳትን ሙሁራትን ሰብ  ዓቕምን ኣብዚ ሩም እዚ መጺኹም ጉቡኹም ንዓዲ ዘእቱ ሓሳብ ክትልግሱ ብኽብሪ ንዕድም።

በዚ ኣጋጣሚ ንዝምልክቶ ኣብ ላዕሊ ጽፍሒ መሪሕነት ዘለው ኣብዚ ሩም እና ኣምጻእና ንህዝቢ ሓበሬታት  ክህቡ  ህዝባዊ ሕቶ ክምሉሱን ድማ እና ዓደምና ከነቕርቦም  ምዃና ክንሕብር ንፈቱ።

ንሓደዓቢ መቃለሲ ባይታ  ሃሪምካ  ብዋጋ ድኽመታት ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንበይኖም  ክዓብዩ ዝደልዩ ንሰምዕም ኣሎና  ንበይኑ ዝዓቢ ክኣ ናይ ሓባር ረብሓን ድልየታትን ባህግታትን ኣህዛብ ጨፍሊቑ  ናይ ውልቐ ረብሓኡ ኢዩ ዘመዝግብ እዚ ግን ኣበደን ሃራሚና ተሞኩሮ ኣይ ንደግሞን ኢና ሰተት ክኣ ኣይ ነብሎምን  ናይ ኢሳያስ ውድብ ንኻልእ እና ጨፍለቐ ካብ ናይ ሓባር ቃልሲ እና ተፈንጨለን ስለ  ዝዓበየ  ኢሳያስ ሎሚ  ንኤርትራ ናይ በይኑ ተረባሒ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ዲቕ ዝበለ ሞትን ህልቀትን ስደትን ውርደትን ስለ ዘእተወና ንመበል ካላይ ግዜ ንበይኑ ዝዓቢ ኣይ ነፍቅድን

ናይ ሓባር ቃልሲ  ኣሚና ንኤርትራዊ ሃገራዊን ባይቶ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ ንኻላይ ሃገራዊ ባይቶ ንምዕዋት ዕጠቕ ኤርትራዊ።

ካብ ጉዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ

23/6/2014

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8638

Posted by on Jun 24 2014 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net