ዕዉት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ

ዜና
ዕዉት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ
ጀጋኑ ኣሃዱታት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር
ቀይሕ ባሕርን /ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባ/ ብ22 ታሕሳስ 2014 ኣጋ ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ኣብ ልዕሊ ናይ
ጸላኢ ናይ ስለያ ኣሃዱ ሓባራዊ በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ብዓወት ተጸንቢሎም ብሰላም ናብ
ቦትኦም ከም ዝተመልሱ ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ከባቢ ማይ ጊኒ ፍሉይ ሽሙ ማይ ምራኻት ኣብ
ዝተባህለ ቦታ ኣብ መንጎ ቤት ገብርኤልን ማይ ኣልባን ንኡስ ዞባ ዓዲ ዃላ ነቂጡ ዝነበረ ናይ ስለያ
ኣሃዱ ህግደፍ እዚ ብተደጋጋሚ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ እናበሳበሰን እናኣሰረን ንሓደጋ
ኣሳጢሕዎም ዝጸንሐ ምዃኑ ካብቲ ከባቢ ዝመጸና ሓበሬታ ይገልጽ።
እዚ ኣካል ናይ ክፍለ ሰራዊት 53 ዝኾነ ሓደ ካብቶም ዕሉላት ጸረ ህዝቢ ዝኾኑ ናይ ስለያ ኣሃዱታት
ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ እዚ ካብ ሰዓት 5፡00 ክሳብ 7፡30 ወጋሕታ ዝጸንሐ
ኮይኑ ኣብቲ በዞም ምዑታት ጀጋኑ ኣሃዱታትና ኣብ ዝተኻየደ ሓባራዊ መጥቃዕቲ’ዚ ብመሰረት እቲ
ተታሒዙ ዝነበረ ሓባራዊ ወተሃደራዊ እስትራተጂ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝተፈጸመ ኮይኑ
ብሽነኽ ጸላኢ 8 ምውታትን 6 ቁስላትን ኮይኖም ኣብኡ ዝጸንሐ ብርክት ዝበለ ዝተፈላለየ ንብረትን
ዕጥቅን ተመንዚዑ ጀጋኑ ኣሃዱታትና ድማ ድሕሪ እቲ ስርሒት ብሰላም ናብ ቦትኦም ተመሊሶም
ኣለዉ።
እዚ በርቃዊ መጥቃዕቲ እዚ ብድሕር’ቲ ከቢድ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ዝነበረ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ
ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ ብዓወት ዝተጠናቐቐሉን ዝሰዓበ ብምዃኑ ድርብ ዓወት
ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ /ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባ/
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/
22 ታሕሳስ 2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9155

Posted by on Dec 24 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net